ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝለሓዀ ዝርርብ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዓበይቲ ምስጢራት እናካፈሉ ይስምዑ


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን ንምጥቃዕ መደብ ከም ዝተዋህቦ፡ ካብ ካብ ቤተ መንግስቲ ድሕሪ ምውጻኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተቐዲሑ ወጺኡ። እቶም ፕረዚደንት ብኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንኢራን ንምህራም ሓሳብ ከም ዝቐረበሎም ኣብቲ መዝገብ እናገንጸሉ ዘንብቡዎ ዝነበሩ ዝተቐድሐ ድምጺ ይስማዕ።

እቲ ኣብ መንጎ እቶም ፕረዚደንት ነበርን ጸሓፊን ኣብ 2021 ዝተቐርጸ’ሞ ሕጂ ዝለሓዀ ዝርርብ፡ እቶም ፕረዚደንት ነበር ብዙሕ ሃገራዊ ምስጢራት እናተዛረቡን ነቲ መንነታ ዛጊት ዘይተነጸረት ጸሓፊት ድማ ኣዝዩ ጥብቂ ምስጢራት እናከፈሉዋን ይስምዑ።

እዚ ብሓያሎ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከምእኒ ሲኤንኤን፡ ዋሺንግተን ፖስትን ኒው-ዮርክ ታይምስን ዝለሓዀ ዝርርብ፡ እቶም ፕረዚደንት ነበር ብዛዕባ ኣተሓሓዛን ሸለልትነትን ምስጢራዊ ሰነዳት ክሲ ኣብ ዝቐረበሎም እዋን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG