ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ ኣብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ፍሎሪዳ ተኸሲሶም


ፌደራል ቤት ፍርዲ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምስ ወፁ ተኣፈፍቲ ሰነዳት መንግስቲ ብግቡእ ብዘይምሓዝ ከሲሱዎም።

ድሒሩ ክስታት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዕላዊ ኣብ ዝዀነሉ፡ ኣብ ጉዳይ ምስጢራዊ ሰነዳት ገይሮሞ ብዝብሃል ስሕተት ብ37 ጥፍኣታት ተኸሲሶም ምህላዉ ተፈሊጡ።

ሚንስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ክሲ ንጠበቓታት ትራምፕ ከምዝተነገሮም ኣፍሊጡ ኣሎ፤ትራምፕ እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ምስ መልሱ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ትራምፕ "ኣዚዩ ዘሕዝን። ኣብ ምንቁልቋል እትርከብ ሃገር ኢና ንርከብ ዘለና። ደድሕሪ ተቐባልነት ዘለዎ ፕረዚደንት፣ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ብዙሕ ድምፂ ንዝረኸበ ፕረዚደንት እዮም ዝከታተሉ ዘለው። ኣነ ንፁህ እየ።ንፁህ ሰብ እየ’’ ክብሉ መሊሶም።

ጠበቓ ትራምፕ ጄምስ ትረስቲ ንመደበር ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቶም ክስታት ኣተሓሕዛ ናይ ሃገራዊ ምክልኻል ሓበሬታ: ዕንቅፋት ምዃን: ናይ ሓሶት ዘረባን ኮነ ኢልካ ውዲት ምፍጣርን ዝብሉ ይርከቡዎም።

ትራምፕ ዝቕፅል ሰሉስ ኣብ ማያሚ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክርከቡ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ድማ ትራምፕ ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ዝተኸሰሱ ፈላማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ይገብሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG