ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩጽ ፕረ. ትራምፕ ንፕረ. ቻይና ኣብ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ክርከቡ ይዕድሙ


ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ - ፋይል
ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ - ፋይል

ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ፅምብል ቃለ መሓላኦም ክርከቡ ንናይ ቻይና ፕረዚደንት ሺንን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን ዓዲሞም።

ምዕዳም ደገፍትን ተፃረርትን ኣመሪካ ኣብ ፖለቲካዊ ልምዲ ኣመሪካ ዘይልሙድ ፍፃመ እዩ።

ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ክትኸውን ብትራምፕ ዝተሓረየት ካሮላይን ሊቪት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቴሌቪዥን ፎክስ ኣንድ ፊረንድስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ትራምፕ ንሺ ምዕዳሞም ኣረጋጊፃ ኣላ።

ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ንዝርዝር ኣስማት ከይረቑሑ"ንገሊኦም ሰባት ናብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብዛዕባ ምዕዳም ይሓስቡ’’ ከም ዝፀንሑ ሓቢሮም ኣለው። ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፅምብል ወግዓዊ ምብፃሕ ዝገበረ መራሒ ሃገር የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG