ምርጫ ኣመሪካ ሃንደበታዊያን ብዝመስሉ ፍጻመታት ተመሊኡ ኣሎ። ነቲ ቀጻሊ ዝለዋወጥ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሓት ድማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማዕረኡ ኣብ ገሊኡ ክሕጭጭ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ዝገልጽ መላገጺ ጽቡቕ መድረኽ ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ መሕበራዊ ገጻት ኣመሪካ ፍረ ዓካት፡ ውላድ ዘይብለን ድሙ ዝከናኸና ኣረገውቲ ኣንስቲ፡ እንግሊዛዊት ድምጻዊት ቻርሊ XCX ብተደጋጋሚ ክዝውተሩ ይርኣዩ ኣለዉ። እዞም ምትሕሓዝ ዘይብሎም ዝመስሉ ምስልታት ምስ ጎስጓስ ምርጫ ኣመሪካ ተኣሳሲሮም ዝዝውተሩ ዘለዉ’ዮም።
ጎስጓሳት ምርጫ ኣመሪካ ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ጽዒቑ ዘሎ ይመስል። እተን ብዘይ ውላድ፡ ኣብ ዘልኣለማዊ ጣዕሳ ንደማሙ ከም ውላደን ዝዕብየ ዘለዋ ዝመስላ መሕጨጪ ምስልታት፡ ንሕጹይ ተወዳድሪ ምኽትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ንምንቃፍ ዝዝወተራ ዘለዋ’የን።
ቫንስ ኣብ 2021 ኣብ ናይ ኦሃዮ ሰነት እናተወዳደረ፡ ምስ መደበር ቴለቪዥን ፎክስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ፤ “ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብውሑዳት ደሞክራሲውያንን ኮርፖረሽን መዲያን ከምኡ’ውን ብዘይውላድ ንደማሙ ዝናብያ ቀደም ብዝወሰድኦ ውሳነ ኣብ ዘልኣለማዊ ጣዕሳ ዝርከባ ኣንስቲ ንምራሕ ዘሎና። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ከምቲ ንርእሰን ብስቓይ ዘሕልፈኦ፡ ንኻልኦት ኣመሪካውያን’ውን ብተመሳሳሊ ክሳቐዩ ዝመርጻ’የን፡”ኢሉ ነይሩ። ሕጂ እምበኣር ናይ ቅድም ዘረባ ቫንስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ምስ ጀመረ ሓድሽ ማዕበልን ርእይቶታትን ኣስዒቡ።
ቫንስ ብዛዕባ ውላድ ዘይብለን ኣንስትሪ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ካብ ሓያሎ ወገናት ከቢድ ነቕፌታ ኣኸቲሉ’ዩ። ካብ መንጎ’አን ናይ ቅድም ፕረዚደንታዊት ተወዳዳሪት ሂላሪ ክሊንተን ድምጻዊት ተይለር ስዊፍትን ይርከብአን።
መግለጺ ቫንስ፡ ደሞክራሲያውያን ኣንጻር ስድራቤታትን ውላድን መርገጺ ከም ዘለዎም ዘመልክት’ዩ።
ካልእ ብወገን ደገፍቲ ርፓብሊካውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም መሐጨጪ ምስልታት ዝዘውር ዘሎ ምስሊ ዓካት’ዩ። እዚ ምስሊ ንተወዳዳሪት ካማላ ሃሪስ ንምንቃፍ’ዩ ዝዝውተር ዘሎ።
ሃሪስ፡ “ካብ ገረብ ዓርኮብኮባይ ሃንደበት ዝወድቕ ዓካት የሎን። ኵሉ ምስ ከባቢኡን ኣብ ከባቢኡን’ዩ ዝነብር፡” ኢላ ነይራ። እንተዀነ ፈጻሚ ኮሚተ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ንዘረባ ሃሪስ ከም መሐጨጪ ገይሮም ምስ ተጠቕሙላ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ክትዝርጋሕ ጀሚራ። ድሒሩ’ውን ወፍሪ ምርጫ ሃሪስ እታ ልክዕ ዘረባ ኣብ ምንታይን ስለምንታይን ከም ዝተባህለት መአረምታ ሰዲዱ። እንተዀነ ሓንሳብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ዋዛታት ምምላሱ ቀሊል ኣይከውንን።
ካልእ ወፍሪ ጎስጓስ ሃሪስ ዘዘውትሮ ዘሎ ምስልታት ናይ እንግሊዛዊት ድምጻዊት ቻርሊ XCX። እዛ ድምጻዊት ኣብ ፈለማ ንሃሪስ ዘለዋ ድጋፍ ድሕሪ ምግላጻ፡ ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ድማ ንምስሊን ካብ ስም እታ ኣልቡም ዝተወስደ ፊደላትን ኣብ ጎስጓሱ ክጥቀመሉ ጀሚሩ።
ብኸምኡ እምበኣር’ዮም ሓያሎ ደገፍቲ ሃሪስ ዝዀኑ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኣልቡም ቻርሊ XCX’ን ምስልታትን ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙ ዘለዉ። ሰለስተ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ዘሎ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ቀጻሊ ለውጢን ኣድመጽቲ ዘይተጸበዩዎ ውሳነታትን ዝተመልአ’ዩ። ማዕረኡ ድማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግሩም መላገጺ፡ መሐጨጪን መጎስጐሲን ቀረብ ይርከብ ኣሎ።
ቅጥዒ