ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ገንዘብ ምሃብ ኣቋሪጻ


ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደው ከምዘበለቶ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም።ቻይና: ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ምቁራፃ ንኩለን ሃገራት ዝጎድእ እዩ ኢላ'ላ።ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን እቲ ናይ ፕረ. ትራምፕ ስጉምቲ ዘይምኽኑይ ክብሉ ገሊጾሞ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮቪድ-19 ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዕስራ ዕፅፊ/ክውስኽ ገይሩ ክብሉ ብምኽሳስ ኣሜሪካ ነቲ ውድብ እትህቦ ሓገዝ ደው ኣቢላቶ ኣላ ኢሎም።

ብመሰረት ፕረ.ትራምፕ ካብ ቻይና ዝግበር በረራ ምእጋዶም እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ብምቅዋሙ ኣዕናዊ ስጉምቲ ወሲዱ ኢሎም።

ፕረ.ትራምፕኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝዓበየ ገንዘብ እተወፍይ ብሕታዊት ሃገር ክንሳ እቲ ውድብ ንቻይና ይውግን ኣሎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምኽሳሶም እቲ ናይ ትማሊ ስጉምቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ እዩ ነይሩ።

እቲ ገንዘብ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ክሳብ ዝግምገም ካብ 60 ክሳብ 90 መዓልታት ከምዝፀንሕ ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊፆም።

ኣብ ሰኔት ላዕለዋይ መሪሕነት ኮሚቴ መዳቢ ባጀት ሰነተር ፓትሪክ ሊይ ብዛዕባ እቲ ስጉምቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ መንጎ ናይ ክፍለ ዘመን ዝኸፍአ ለበዳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝውሃብ ገንዘብ ደው ምባል ማለት ማዕረ ናብ ድፋዕ ፀላኢ ዝተፀግዐ ወታደራት ጥይት ምኽላእ ከም ማለት እዩ ኢሎምዎ።

ንሶም ብምውሳኽ ‘’ዋይት ሃውስ ንብርክት ዝበሉ መጠንቅቕታት ዕሽሽ ብምባል ወርቃዊ ዝኾነ ግዜ ከምዘባኸነ፣ንናይ ምኽሪ ሳይንስ ከምዝነፀገ፣ኮቪድ-19 ምስ ተራ ስዓል እናወዳደረ ኩሉ ነገር ድሓን ክኸውን እዩ እናበለ ነቲ ቅልውላው እዚ ከምዘይኣለዮ ኣዐሪዩ ይፈልጥ እዩ’’ ኢሎም ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኮሚቴ ምቁጽጻር ብወገኑ ንፕረ. ትራምፕ ኣብዝፀሓፎ ደብዳበ ፕረዚደንት ሺ ዥንፒንግን መንግስቶምን ነቲ ቅልውላው ዝሓዝሉ ኣገባብ ብስፍሓት ዝተጋውሐ ናእዳ ሂብካ እናሃለኻ ንውድብ ጥዕና ዓለም ምውቃስ ዝገርም ምስሉይነት እዩ ክብል ነቐፌታ ወሲኹሉ ኣሎ።

ቻይና ሎሚ ረቡዕ ከምዝገለፀቶ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትልግሶ ገንዘብ ንምሓዝ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብዝገጠመሉ ወሳኒ ምዕራፍ ብምዃኑ ንኩለን ሃገራት ዝጎድእ እዩ ኢላ።

ጀርመን ሎሚ ረቡዕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢኣ ሀይኮ ማኣስ ኣቢላ ንውድብ ጥዕና ዓለም ተኸላኺላ ኣላ።’’ንወቐሳ ኣፃብዕቲ ምውጥዋጥ ጠቓሚ ኣይኮነን’’ እውን ኢላ ።

ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፍ ቦረል ብወገኖም ፃዕርታት ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዘድልየሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ትራምፕ ውሳነ ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም። ነዚ ዶብ ዘይፈልጥ ቅልውላው ክንስዕሮ ንኽእል ሓይልና ብምውሃድ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ኣስታት 130 ሽሕ በፂሖም ኣለው።

ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 615 ሽሕ ዝሞቱ ልዕሊ 26 ሽሕ፣ ኣብ ስፔይን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 177 ሽሕ ዝሞቱ ልዕሊ 18 ሽሕ: ኣብ ጣሊያን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 162 ሽሕ ህይወቶም ዝስኣኑ ድማ ልዕሊ 21 ሽሕ ብምዃን ቅድሚት ተሰሪዐን ኣለዋ።

ጣሊያንን ስፔይንን ዝኣወጅኦ ጥቡቕ ናይ ምዕፃው ሕገን ምፍኳስ ጀሚረን ኣለዋ።ፈረንሳይ ግን ኣናዊሓቶ ኣላ።ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣታት ነቲ ናይ ምኽፋት መስርሕ ከም ኩነታቱ ኢና ስጉምቲ ክንውሰድ ይብላ ኣለዋ።

ህንዲ Manifuctures ኣፍረይቲን ኣብ ገጠር ድማ ምንቅስቓስ ሕርሻን 20 ሚያዚያ ከም እትፈቅድ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣፍሊጣ ኣላ።ካብ ገዛ ናይ ዘይምውፃእ ሃገራዊ ትእዛዝ ግን ክሳብ ዝቕፅል ወርሒ ክቕፅል እ።

ኣብ ኣፍሪካ ሓዱሽ ኣዋጅ ዘሕለፋ ሃገራት ኣለዋ።ሓንቲ ካብአን ማላዊ ኮይና ኣላ።ናይታ ሃገር ፕሬዝዳንት ፒተር ሙታሪካ ን21 ማዕልታት ዝፀንሕ ኣዋጅ ዝቕፅል ቀዳም ከምዝጅምር ኣፍሊጦም።

ጃፓን ህዝቢ ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉን ንግድታት ክዕፀዉን ምስ ዝቐረበ ፃውዒት ክተሓባበሩ ምሕፅንታ ኣቕሪባ ኣላ።ዝተቐመጡ ስጉምትታት እንተ ዘይተተግቢሮም ብዝኸፍአ ገፁ ኣስታት 850 ሽሕ ሰብ ብኮረናቫይረስ ክልከፍን ፍርቂ ናይዚኣቶም ድማ ክሞቱ ከምዝኽእሉን መንግስቲ ኣጠንቂቑ ኣ።

ብቁጠባ ገፁ ኣብ ገዛ ኮፍ ናይ ምባል ትእዛዛ ነዳዲ ኣብ ምጥቓም ዓብይ ምንቁልቋል ኣስዒቡ ኣ።

ዓለምለኸ ናይ ኢነርጂ ኤጀንሲ ሎማዕንቲ ረቡዕ ከምዝተንበዮ ድልየት ነዳዲ ማዕልታዊ 29 ሚሊዮን በርሜል ክወርድ እዩ።

XS
SM
MD
LG