ወሽመጥ ቓዛ ብሓይልታት ኣመሪካ ተወሲዳ፡ ነበርቲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙን እቲ ከባቢ ድማ ዘላቒ ሰላም ክረክብን ብሰሉስ ምሸት ዝኣመመ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመሓዙት ኣመሪካ ዝሓወሰ ተሪር ግብረ-መልሲ ተቐቢሉዎ። ግብጺ፡ ኣብ ሃገራ ክትቅበል ዘይኰነስ ፍልስጤማውያን ኣብ ቦታኦም እንከለዉ እቲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ክግበር ትእምም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ነበርቲ ቓዛ ንዅሉ ግዜ ካብቲ ቦታ ምስ ዝርሕቁን ኣብ ካልእ ምስ ዝጣየሱን ብዘይ ዝዀነ ሽግር ብሰላምን ቅሳነትን ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። እቲ ናብ ካልእ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምግዓዝ መደብ ምስ ንግስነት ጆርዳንን ግብጺን ልኡኻቱ ከም ዝተዛራረቡሉ’ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ግብጺን ጆርዳንን ነቲ ሓሳብ ነጺጎሞ’ዮም። እንተዀነ ፕረዚደንት ትራምፕ ልቦም ከፊቶም ንስለ ሓባራዊ ሰላምን ቅሳነትን ምትሕብባሮም ከርእዩ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ምዃና እትፍለጥ ስዑዲ ዓረብ፡ ንምስረታ ክልተ ሃገራት ፍልስጤምን እስራኤልን ከም እትድግፍ ገሊጻ። ስዑዲ ዓረብ “ንግስነት ስዑዲ ዓረብ እንተስ ብመልክዕ ምስፋሕ ሰፈራታት ወይ ድማ ካልእ ምጥሓስ መሰላት ፍልስጤማውያን ብትሪ ይቃወም፡” ትብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ’ውን፡ ሃገሩ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንህላወ ክልተ ሃገራት ከም ዝጣበቐ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብእማመ ፕረዚደንት ትራምፕ መርገጺኦም ከም ዘይቅየሩ ብምእንፋት“መርገጺ ኣውስትራሊያ፡ ሎሚ ንግሆ’ውን ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመትን ቅድሚ 10 ዓመታትን ዝነበረ’ዩ ዘሎ፡” ኢሉ ።
ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ መርገጺ ምስረታ ክልተ ሃገራት ከም ዝድግፋ ፈረንሳ፡ ኒውዝላንድን ቻይናን’ውን ደጊመን መርገጺአን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ “ፍልስጤማውያን ብሓይሊ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዞም ንቃወም። ኩላቶም ወገናት ድማ ኪንዮ’ዚ ጀሚሩ ዘሎ ምቍራጽ ተጻብኦ ንዘላቒ ሰላም ክሰርሑን ፍልስጤማውያን ናብ ቦታኦም ዝምለሱሉ መንገዲ ክመዓራረን ንጽውዕ፡” ኢሉ።
“ምስጓግ ፍልስጤማውያን” ሃገሩ ኰነ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ “ፈጺመን ኣይቀበልኦን፡” ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን፡ “ብመሰረቱ እቲ ሓሳብ መርመምን ጌጋን’ዩ፡” ኢሉ።
ፕረዚደንት ፍልስጤማውያን መሓሙድ ዓባስ’ውን ብግደኡ፡ “ንፍልስጤማውያን ካብቲ ዘይንቕነቕ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ምንፋግ፡” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ እቲ መደብ “ንዓለማዊ ስምምዓትን ውዕላትን ዝጥሕስ” ክብል ምላሽ ሂቡ።
ሓሳባት ፕረዚደንት ትራምፕ እንኮላይ ካብ መሪሕነት መንግስቲ ኣመሪካ’ዩ ከቢድ ነቕፌታ ወሪዱዎ። ደሞክራሲያዊ ኣባል ሰነት ኣመሪካ ዝዀነ ክሪስ ኩን፡ “ሓደገኛን ንምስሊ ኣመሪካ ዝድውንን፡” ክብል ገሊጹዎ።
መበቆላ ካብ ፍልስጤም ዝዀነት ተወካሊት ክፍለ-ሃገር ሚሺጋን ዝዀነት ራሺዳ ጣሊብ፡ “ጻውዒት ንቕሉዕ ምጽጻይ ፍልስጤማውያን፡” ክትብል ገሊጻቶ።
መርገጺ እስራኤል ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ኣይነጸረን። ቀዳማይ ሚኒስተር ናታያሁ ኣብቲ ናይ ሰሉስ ምሸት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ንድፊ ዘለዎ መርገጺ ከየነጸረ፡ “ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝበለጸ ዓርኪ እስራኤል” ክብል ጥራይ ገሊጹ ነይሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮቭ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሓሳብ ዘቕረቦ ካብ ሰብኣዊ ዓይኒ ብምርኣይ’ዩ። ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ገና ኣብ ትሕቲ ተፈንጀርቲ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ክሳብ ዝጸሪ 10-15 ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ነዚ ጠሚቱ’ዩ ነቲ ሓሳብ ኣቕሪቡ፡” ኢሉ ።
ቅጥዒ