ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ. (FBI) ኣባሪሮም


ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ (FBI) ማለት ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣመሪካ ጀምስ ኮሚ: ሎሚ ሰሉስ 09 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ካብ መዝነቶም ከምዝተባረሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ተፈሊጡ።

ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ ስንብታ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ጀምስ ኮሚ ፤ ፕረዚደንት ትራምፕ “ኣብ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ህዝባዊ እምንቶ ዘለዎ ሓድሽ ዳይረክተር ምንዳይ ከድልየና እዩ” ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ።

ምንዳይ ሓድሽ ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ “ብቕልጡፍ” ከምዝጅምር ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ የረድእ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ጀምስ ኮሚ መሰናበቲ ደብዳበኦም: ካብ ሚኒስተር ፍትሒ ጀፍ ሰሽንስን ምክትሎም ሮድ ሮዘንስተይንን ዝቐረበሎም ለበዋ ተበጊሶም ነቲ ውሳነ ስንብታ ከምዘጽደቕዎ ይጠቕሱ።

ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ ነበር ጀምስ ኮሚ ምስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝተተሓሓዘ ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ፖለቲካ ኣመሪካ ኣካታዒ መርገጺ ሒዞም ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG