ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ምእታው ክቕጽሉ ዘፍቅድ ውሳኔ ፈሪሞም


ፋይል
ፋይል

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ምእታው ክቅጽሉ ዘፍቕድ ውሳኔ ምፍራሞም ተፈሊጡ። እንተኾነ ንሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ልዑል ሓደጋ ከስዕቡ ይኽእሉ’ዮም ንዝበልዎም ካብ 11 ሃገራት ንዝኣትው ስደተኛታት ግን ተወሳኺ ክትትል ክግበረሎም ወሲኖም ኣለው።

ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ነቶም 11 ሃገራት ካብ ምዝርዛር እንተተቆጠቡ’ኳ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስን ናይ ፈረንሳ ኣገልግሎት ዜናን እተን ሃገራት እተን ኣቐዲመን ልዑል ክትትል ክግበረሎም ዝጸንሓ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ምኳነን ይገልጻ ኣለው። በመሰረት እተን ኣገልግሎት ዜና እዘን ሃገራት ግብጺ፡ ኢራን፡ዒራቕ፡ሊብያ፡ማሊ፡ሰሜን ኮርያ፡ሶማል፡ደቡብ ሱዳን፡ሶርያንንን የመንን እየን።

ፕረ. ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ምእታው ክቅጽሉ ዝፍቕድ ውሳኔ ፈሪሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:33 0:00

እዚ ትማሊ ሶሉስ ዝሓለፈ ውሳኔ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ቁጽሪ ስደተኛታት ምጉዳል ክብል ዝኣተውዎ ቃል ንምፍጻም ካብ ዘካየድዎ ዘሎ ውሳኔታት ዳሕረዋይ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኽልክል ክልተ ውሳኔታት እንተሓለፈ’ኳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ምእታዎም ይፍለጥ።

መጀመርያ ብፕረዝደንት ትራምፕ ዝሓለፈ እገዳ መገሻ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕጊ ዝቀረበሉ መጎተ ብውሳነ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ቀረባ ቤተሰብ ዘለዎም ክኣትው ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ተመሓይሹ ምቅራቡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG