ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ረብሓ ንውልቃዊ ረብሕኦም ብዝጠቅም ምስ ናይ ቻይና ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም ይራኸቡ ከምዝነበሩ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ነበር ጆን ቦልተን ገሊፆም።
ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበሩ ጆን ቦልተን ትማሊ ረቡዕ ኣብጋዜጣ Wall Street Journal ኣብ ዝፀሓፉዎ ጽሑፍ ኣብ 2018 ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ G20 ትራምፕ ዳግም ክምረፁ ብዝሕግዝ ቻይና ናይ ኣሜሪካዊያን ናይ ሕርሻ ምህርቲ ምዕዳጋ ክትውስኽን ኣብ ክንድኡ ድማ ድማ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትው ናይ ቻይና ኣቑሑት ተወሳኺ ምንካይ ቐረፅ ከምዝገብሩ ንሺ ሓቲቶምዎም ኢሎም ።
ቦልተን ብምውሳኽ ኣብ 2020 ምርጫ ኣሜሪካ ድምፂ ሓረስቶት ክረኽቡ ክሕግዙዎም ሓቲቶምዎም ኢሎም ።
ናይ ቦልተን ፅሑፍ 29 ሰነ 2019 ኣብ ኦሳካ ጃፓን ኣብዝተኻየደ ኣኼባ G20 እውን ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ሺ ንትራምፕ ነጊሮምዎም ይብል ።
ትራምፕ እቲ ምይይጥ ብዝገርም ኩነታት ናብ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምቕያር ንሶም ዝዕወቱ ምዃኖም ከረጋግፁ ንሺ ተማሕፂኖምዎ ኢሎም ቦልተን።
592 ገፅ ኣብ ዝሓዘ The Room Where It Happens: A White House Memoir ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዋይትሃውስ ተዘክሮኦም ዘዘንትው ሓዱሽ መፅሓፍ ጆን ቦልተን ናብ ዕድጋ ክወፅእ እዩ።
እቲ ናይ ትራምፕን ሺን ርክብ ኣብቲ መፅሓፍ እውን ጠቒሶምዎ ኣለው።ናይቲ መፅሓፍ ቅዳሕ The NewYok Timesን The Washington Postን ረኪበንኦ ኣለዋ።
“ንሶም(ትራምፕ) ቻይና ዓልቋይን ስርናይን ምዕዳጋ ክተሓይል ንኣገዳስነት ሓረስቶት ኣስሚሮምሉ እዮም።ትራምፕ ቃል ብቓል ዝበሉዎ ኣብቲ መፅሓፍ ከውፅኦ ደልየ ነይረ።ናይ መንግስቲ ቅድመ ሕትመት መስርሕ ግምገማ ግን ኣይፈቐደን’’ኢሎም።
እቲ መፅሓፍ ዝቕፅል ሰሙን ክወፅእ መደብ ተታሒዙ እንተሃለወ እውን ሚንስትር ፍትሒ ነቲ ሕትመት ጠጠው ንምባል ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።ቦልተን ንዝፈረምዎ ሓበሬታ ናይዘይምውፃእ ስምምዕ ብምጥሓስ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖምዎ ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ይከራኸር።
ትራምፕ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ ቦልተን መፅሓፍ ብገበን ዘሕትት እዩ ኢሎም።
“ንዓይ ከቢድ ገበን እዩ’’ኢሎም ትራምፕ ‘’ብምስጢር ክዕቀብ ዘለዎም ሓበሬታ ከምዝሓዘ ይፈልጥ እዩ።ኩሉ ምሳይ ዝግበር ምይይጥ ምስጢር እዩ።ብዛዕባ እቲ ምይይጥ እንተሓሲዩ ድማ ዝገደደ ይኸውን’’ኢሎም ።
ትራምፕን ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዊሊያም ባርን ቦልተን ንናይ ዋይት ሃውስ መስርሕ ገምጋም ረቂቕ ፅሑፍ ኣይዛዘመን ክብሉ ይኸሱ።ናይ ቦልተን ጠበቓ ግን እቲ መፅሓፍ ሚስጥር ኣይሓዘን፤መስርሕ ገምጋም እውን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ወዲኡ እዩ ይብል።