ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ከተማ ሻርሎተስቪል ዘጋጠመ ዓሌታዊ ዕግርግር ‘ሰይጣናዊ’ ኢሎም ኮኒኖም' ፕረዚደንት ትራምፕ


Washington.
Washington.

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘’ዘርኣውነት ሰይጣናዊ እዩ’’ ክብሉ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂኒያ ከተማ ሻርለትስቪል ንልዕልነት ፀዓዱ ዘካየድዎ ደማዊ ተቓውሞ ኮኒኖምዎም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ብዛዕባ እቲ ዕግርግር ምስ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ጄፍ ሰሺንስን ዳይረክተር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ኣሜሪካ ክርሲቶፈር ረይን ሎሚ ሶኑይ ድሕሪ ምርኻቦም እዮም ።

ንሶም እቲ ግጭት ምስተፈጠረ ሽዑ ንሽዑ ብዘይምኹናኖም ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ ደምበታት ኣሜሪካ በሊሕ ነቐፌታ ክቐርቦም ፀኒሑ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብቐጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ብምኹናን ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ እዮም ኢሎም።

“ሚንስትሪ ፍትሒ በዚ ህይወት ሓንቲ ንፅህቲ ኣሜሪካዊት ዝቐተለን ንካልኦት 20 ዘቑሰልን ደማዊ ናይ መኪና መጥቓዕቲ ምርመራ ስቪላዊ መሰላት ጀሚሩ’ሎ።ከምዚ ዝበለ ዘርኣዊ ገበን ዝፈፀምካ ምሉእ ብምሉእ ክትሕተት ኢኻ።ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝበልኩዎ ነዚ ዘሰንብድ ናይ ፅልኢ መጥቓዕቲ ብፅኑዕ ንኹንኖ።ብዙሕ ግዜ ከምዝገለፅኩዎ ሕብሪ ቆርበት ብዘየገድስ ኩሉ ብዓይኒ ሕጊ ማዕረ እዩ።”

ፕረዝደንት ትራምፕ ብፍላይ ንጉጅለታት KKKን ንደገፍቲ ናዚን ብሽም ኮኒኖም ኣለው።ነቶም ዓሌታዊነት ንምቅዋም ኣብ ልዕሊ ዝተሰለፉ መጥቓዕቲ ዝፈፀሞ ኣሌክስ ፊልድስ ጁኒየር ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ እዩ።

XS
SM
MD
LG