ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ 26 ጥሪ ኣብ ዓለማዊ ቁጥባዊ መድረኽ ደቮስ ስዊዘርላንድ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ: ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀዳምነታት ረብሓ ኣመሪካ ዘተኮረ ምዃኑ ገሊጾም።
ንሶም: ቁጠባዊ ፖሊሲኦም ዋላኳ ኣብ ቀዳምነታት ረብሓ ኣመሪካ ዝተሞርኮሰ ይኹን ሃገሮም ቀንዲ ቀያሲት ቁጠባ ዓለም ኮይና ከምእትቕጽል ኣፍሊጦም።
እቲ ፈለማ ኣመሪካ " America Frist " ዝብል መርሓ ሕንጻጽ ቁጠባዊ ፖሊሲኦም ድማ ንሶም ኣብ ኩሉ ስምምዓትን ከም ዝኾኑ ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ንረብሓ ሃገሮም ቀዳምነት ሰሪዖም ዘካይድዎ ድኣ እምበር: ኣመሪካ ንበይና ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚሮምሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመሪካ ንዝካየዱ ዘይርትዓዊ ንግዳዊ ስምምዓት ርእያ ከምዘይርኣየት ከምዘይትሓልፎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘፍለጡ ክኾኑ ከለው: ኣመሪካ ናጻ ንግዳዊ ስምምዕ ከምእትድግፍ ገሊጾም።
"ንሕና ናጻ ንግዲ ንድግፍ ኢና። ይኹንምበር: ርትዓዊ ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ሓድሕዳዊ ክኸውን'ውን ኣለዎ። ምኽን ያቱ ዘይርትዓዊ ንግዲ ኣብ መወዳእትኡ ንኹላትና ዝጎድእ'ዩ" ድማ ኢሎም።