ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ "ኣመሪካ ንዘይርትዓዊ ንግዳዊ ውዕላት ኣይክትሰማማዕን'ያ"


ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ኣብ ዓለማዊ ቁጥባዊ መድረኽ
ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ኣብ ዓለማዊ ቁጥባዊ መድረኽ

ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ 26 ጥሪ ኣብ ዓለማዊ ቁጥባዊ መድረኽ ደቮስ ስዊዘርላንድ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ: ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀዳምነታት ረብሓ ኣመሪካ ዘተኮረ ምዃኑ ገሊጾም።

ንሶም: ቁጠባዊ ፖሊሲኦም ዋላኳ ኣብ ቀዳምነታት ረብሓ ኣመሪካ ዝተሞርኮሰ ይኹን ሃገሮም ቀንዲ ቀያሲት ቁጠባ ዓለም ኮይና ከምእትቕጽል ኣፍሊጦም።

እቲ ፈለማ ኣመሪካ " America Frist " ዝብል መርሓ ሕንጻጽ ቁጠባዊ ፖሊሲኦም ድማ ንሶም ኣብ ኩሉ ስምምዓትን ከም ዝኾኑ ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ንረብሓ ሃገሮም ቀዳምነት ሰሪዖም ዘካይድዎ ድኣ እምበር: ኣመሪካ ንበይና ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚሮምሉ።

ፕረ. ትራምፕ "ኣመሪካ ንዘይርትዓዊ ንግዳዊ ውዕላት ኣይክትሰማማዕን'ያ"
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:40 0:00

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመሪካ ንዝካየዱ ዘይርትዓዊ ንግዳዊ ስምምዓት ርእያ ከምዘይርኣየት ከምዘይትሓልፎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘፍለጡ ክኾኑ ከለው: ኣመሪካ ናጻ ንግዳዊ ስምምዕ ከምእትድግፍ ገሊጾም።

"ንሕና ናጻ ንግዲ ንድግፍ ኢና። ይኹንምበር: ርትዓዊ ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ሓድሕዳዊ ክኸውን'ውን ኣለዎ። ምኽን ያቱ ዘይርትዓዊ ንግዲ ኣብ መወዳእትኡ ንኹላትና ዝጎድእ'ዩ" ድማ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG