ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ሰብ ዋኒን ኣብ ኣመሪካ ፍርያቶም ከፍርዩ ወይ ድማ ከቢድ ቀረጽ ክኸፍሉ ከምዝኾኑ ይገልጹ


ፕረ. ትራምፕ ሰብ ዋኒን ኣብ ኣመሪካ ፍርያቶም ከፍርዩ ወይ ድማ ከቢድ ቀረጽ ክኸፍሉ ከምዝኾኑ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ፕረ. ትራምፕ ሰብ ዋኒን ኣብ ኣመሪካ ፍርያቶም ከፍርዩ ወይ ድማ ከቢድ ቀረጽ ክኸፍሉ ከምዝኾኑ ይገልጹ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዝዓበየ ኣኼባ ዓለምለኸ መራሕቲ ንግዲ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ወፍሪ ከካይዱ ወይ ከቢድ ቐረፅ ከምዝኸፍሉ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቅድሚ እቶም ቀንዲ ተሳተፍቲ ዓለምለኸንግዲ ብኢንተርኔት ወይ ብቨርችዋል ደው ኢሎም ከምዚ ኢሎም።

"ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለም ዘለኹም ነጋዶ መልእኽተይ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ናብ ኣመሪካ መፂእኹም ፍሪያትኩም ኣዳልዉ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዝተሓተ ግብሪ ክትኸፍሉ ክንገብር ኢና። ፍሪያትኩም ኣብ ኣመሪካ ዘይተፍርዩ እንተኾይንኹም ግና ብቐሊል ኣገላልፃ ቐረፅ ክትኸፍሉ ኢኹም።"

ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ካብቶም ኣብ ዳቮስ ዝዊዘርላንድ ኣብ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ይሳተፉ ካብ ዘለው ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ፍልይ ዝበለ እዩ። እቶም ኣብዚ ዓለምለኸ ኣኼባ ዝተሳተፉ ግን ኣብ ዛዕባታት ኣካባቢን ፀዓትን ከምኡ እውን ጂኦፖለቲካዊ ሓርጎጽጎጽን ምትሕብባር ንዝብል ዘጉልሕ እዩ። ትራምፕ ምስታ ኣብ ዓለም ካልኣቲይ ዝዓበየት ቁጠባ ትውንን ቻይና ‘’ሚዝናዊ ርክብ’’ ክህልው'ውን ፀዊዖም'ዮም።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG