ዋሽንግተን —
ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ኲናት ደው ምባል፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ተንብሮ ዘላ ግብርን ምቅናስ ብዝሒ ሰራሕተኛታት ፌደራላዊ መንግስቲን ዝብሉ ካብቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ናይ ካልኣይ እብረ ምምሕዳሮም ቀዳማይ መደረ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን ዝያዳ ከብርህዎም እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ካብ ዝግበርሎም ዛዕባታት እዮም።
ከምቲ ኣብ 2017 ዝገብርዎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፅባሕ ሰሉስ ንኣባላት ቤት ምኽሪ መደረ ከስምዑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ቅጥዒ