ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስን ናይ ጥቅምቲ ሃንደበትን


Plugged In-USA Votes THUMBNAIL
Plugged In-USA Votes THUMBNAIL

ብድሕሪት ይስዕቡ ዘለው ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ወዶም ንፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደንኣብ ቀረባ ወፂኡ ዝተብሃለን ነቲ ውድ ድር ክቕይር ዝኽእልን ናይ ኢሜይል መልእኽትታት ኣስጢሞም ሒዞም ኣለው።ኣብ እዋን ፕሬዝዳናዊ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝወፅእ October Surprise‘’ናይ ጥቅምቲ ሃንደበት’’ ብዝብል ዝፅዋዕ ኣጋጣሚ ኣሎ።እዚ ናይ ሎሚ ምስቶም ሕሉፋት ናይ ጥቅምቲ ሃንደበታት ወይገረምቲ ኣጋጣሚታት ከመይ ምንፅፃር ይ ክኣል?

ኣብዚ ጥቅምቲ ወፍሪ ምርጫ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ውላድ ዴሞክራት ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ናይ ዝኾነ ናይ ሃንተር ባይደን እዮም ዝተብሃሉ ዘይተረጋገፁ ኢሜይላት ኣውፂኡ ኣሎ።እቶም ኢሜይላት ሃንተር በሪስማ ካብ ዝተብሃለ ናይ ዩክሬይን ኩባኒያ ፀዓት ኣብ እዋን ናይ ኦባማ ስልጣን ዋይት ሃውስ ምኽትል ካብ ዝነበሩ ኣብኡ ሓለፋ ጥቕሚ ንምርካብ ገንዘብ ተኸፊሉዎ ክኸውን ይኽእል ዝብል ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየደ ክትዕ ትራምፕ ንባይደን በቲ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ከምዚ ብምባል ወጢሮምዎም ነይሮም ‘’እቶም ኢሜይላት፣እቶም ንስኻን ስድራኻን ዝጠሓልኩምሉ ናይ ገንዘብ ጉዳይዝዛረቡ ኣሰቀቕቲ ኢሜይላት።ጆ ! ገሊኦም ክፍፀሙ ከለው ምኽትል ፕሬዝዳንት ኢኻ ነይርኻ’’ ኢሎምዎም።

ባይደን ንቶም ክስታት ብልሽውና ናይ መመለጢ ምስምስ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ። ‘’እዚ ትርጉም ዘይብሉ ዘረባ ዘቕርብ ዘሎ ብምኽኒያት እዩ።ምኽኒያት ኣለዎ።ኣብ ጭቡጥ ዛዕባታት ኣድሂቡ ክዛረብ ስለ ዘይደሊ እዩ’’ ኢሎም።

እቲ ምርጫ ብዝቐረበ ናይ ትራምፕ ወፍሪ ምርጫ ጠመተኡ ኣብ ሃንተር ባይደን ገይሩ ኣሎ።ኣብ ራይስ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ማርክ ጆንስ ግዜ የለን ይብል።

ናይ ጥቅምቲ ሃንደበት October Surprise ዝብልኣበሃህላ ወይ ቃል ኣብ 1980 ኣ\ፈ እዩ ተፈጢሩ።ኣብቲ እዋን ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጂሚ ካርተር ቅድሚ ምርጫ ኣብ ኢራን ተጨውዮም ዝነበሩ ኣሜሪካዊያን ንምፍታሕ ልዝብ ንምክያድ ዘካየድዎ ምስጢራዊ ፃዕሪ እዩ።ኣብ መወዳእታ እቲ ልዝብ ፈሺሉ ሮናልድ ሬገን ተዓዊቶም።

ትራምፕ ምስ ናይ ዴሞክራት ሂላሪ ክልንቴን ኣብ ዝገጠምሉ ኣብ 2016 ኣ\ፈ ክልተ ናይ ጥቅምቲ ሃንደበታት ነይሮም።ትራምፕ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝሃብዎ ብዕሉግ ሪኢቶታትን ናይ ፌደራል ቢሮምርመራ FBI ሂላሪ ክልንቴር ብምስጥሪ ክዕቀብ ዝተመደበ ሓበሬታ ንምልእኣኽ ናይ ውልቂ ኢሜይለን ምጥቃመን ብዝምልከት ዳግም ንምምርማር ምውሳኑ ዝምልከቱ ነይሮም።

ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ላራ ብራውን ኣብ ልዕሊ ጆ ባይደን ዝቐረቡ ክስታት ናይ ጆ ባይደን ሕፀን ፕሬዝዳንት ናይ ምዃን ተኽእሎን ኣብ ፀገም ከውድቑዎ ናብ ዘኽእል ደረጃ ክብ ኣይበለን ይብላ።

ናይዚ ዓመት ናይ ጥቅምቲ ሃንደበት ትራምፕ ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ብኮሮናቫይረስምሕማሞምን እቶም ፕሬዝዳንት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይንኪ ኣሎ ክብሉ ንነዊሕ እዋን ሒዞምዎ ዝጉዓዙ ዘለው መርገፂን እዮም።

XS
SM
MD
LG