ፈላማይ ክትዕ 2020 ፕረዚደንታዊ መረጻ ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ተካይዱ ኣሎ።
እንተኾነ ካብ ትጽቢት ተዓዘብቲን መረጽቲን ወጻኢ፣ ኣብ ልዕሊ ኣማራጺ ፖሊሲታትን ኣንፈታትን 'ምኹላፍ፣ ምዝንጥጣል፣ ካብ ዝቀረበ ሕቶ ወጻኢ ውልቃዊ ሪኢቶታትን ግብረ መልሲታትን ዝዓብለሎ' ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ።
ኣጋይሽና ካብ ሰልፊ ሪፐብሊካዊያን ኣቶ ላባን ስዩም 'ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ክንዲ ንትራምፕ ብገዛ ባዕሉ ክወድቅ ዘፍቅደሉ እናድሐኖ እዩ ተራእዩ' ኢሉ ክገልጾ ከሎ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ብወገኖም 'ከምዚ ዝዓይነቱ ኣገባብ ዘይሓዘ መድረኽ ክትዕ ኣጋጢሙኒ'ውን ኣይፈልጥን' ይብሉ።
ካልኣይ ዙር ክትዕ ትራምፕን ባይደንን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ከተማ ሚያሚ ክካየድ እዩ። ዝቅጽል ሰሙን ናይ ክልቲኦም ሕጹያት ሚክትላት ዲሞክራሲያዊት ካሚላ ሃሪስን ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስን ክትዕ ክህልዎም እዩ።