ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ ንምምሕዳሮም ብምኽልኻል ንመራኸቢ ብዙሃን ነቒፎም


ፕረዝደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ
ፕረዝደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ንመራኸቢ ብዙሃን ብተደጋጋሚ ኣጥቒዖም እዮም።ገሊኦም ሰባት ፕረዝደንት ምስኮኑ እቲ መጥቓዕቲ ክንኪ እዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩዎም፡ዛጊት ግን ርክብ ፕረዝደንት ትራምፕን መራኸቢ ብዙሃንን ዝተመሓየሽ ምዃኑ ዘረጋግፅ መርትዖ የለን ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ‘ትካልካ ዘሕዝን’’ እዩ ክብሉ ንሓደ ጋዜጠኛ ዝተዛረቡ ክኾኑ ከለው ንካልእ ጋዜጠኛ ድማ “ክትሓትት ዕድል ኣይህበካን እየ።ክትሓትት ኣየፍቅደልካን።ናይ ሓሶት ዜና ኢኻ” ኢሎም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ስራሕ ካብ ዝጅምሩ ተቐባልነቶም ወሪዱ’ሎ።ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዝተኣከበ ኣሃዛዊ መዕቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ግን ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ኣብ ክንዲ ንማዕኸናት ዜና ንምምሕዳር ትራምፕ ይኣምኑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ትራምፕ ንመራኸቢ ብዙሃን ብምንቓፍም ቀጺሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

XS
SM
MD
LG