ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ናይ ንግዲ ርክብ ምሕያላ ወቂሶም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ንዘለዋ ርክብ ንግዲ ምሕያላ ኣትሪሮም ወቂሶም። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጃን ኡን ኸአ ሃገሮም ንዝገበረቶ ፈላማይ ዕውት ፈተነ ሃገር ዘቋርጽ ባልስቲክ ሚሳይል ይጀሃሩ’ለው።

ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ወቀሳ ዝገለጹ ምስ ፕረዝደንት ቻይና ዚ ጂንፒንግ ሓዊሱ ምስ መራሕቲ 20 ብኢኮኖሚ ዝበልጸጋ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ንምክፋል ናብ ፖላንድ ቅድሚ ምምርሖም’ዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ኣብ መንጎ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ኣብ ዝሓለፈ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ንግዲ ዳርጋ ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ ግን ቻይና ምሳና ክትሰርሕ ክንፍትን ኢና ኢሎም። ንሶም ብተወሰኺ ቻይና ንዝገብረቶ ጻዕርታት ዓብይ ምስጋና ይግባእ እንተወሓደ ቻይና ንወታሃደራዊ ህንጡይነት ሰሜን ኮርያ ንምግታእ ፈትና ኣላ ኢሎም።

ቻይና ብመዳይ ቁጠባ ሰሜን ኮርያ ዓባይ ተረባሒት እያ ፡ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባትን ግዱድ ሽቕለትን ቻይና ዝገደደት’ያ ክብሉ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ.ትራምፕ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ናይ ንግዲ ርክብ ምህያላ ወቂሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:30 0:00

XS
SM
MD
LG