ተወካሊ ሰነት ሳውዝ ዳኮታ ጆን ቱን መራሒ ኣብዝሓ ሰነት ንምዃን ብምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተሓርዩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ሰነት ብደሞክራሲያውያን ተዓብሊሉ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ጃክ ሹመር’ዩ ክመርሖ ጸኒሑ። ካልእ ዝዓበየ ምርቋሕ መዝነት ቦታ ዋና-ኣኽባር ሕጊ’ዩ።
ትራምፕ ነቲ ኣዝዩ ተሪር ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዎ ማት ገይትስ ነዚ ቍልፊ ቦታ ክመርሕ ሓጽዩዎ ኣሎ። ካብ ፍሎሪዳ ዝመጽአ ማት ገይትስ ዝሓለፈ ዓመት ንናይ ሽዑ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቱ ንምውራድ ተበግሶ ዝወሰደ’ዩ። ተንተንቲ፡ ነቲ ትራምፕ ክወስዶ ምዃኑ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ዝጠቕሶ ዝነበረ ምስጓግ ስደተኛታት ከተግብር ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ንናይ ወጻኢ ፖሊስታት መሪሑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንምዃን ተሓጽዩ ዘሎ ማርኮ ሩቢዮ’ዩ። ካብ ኲባውያን ስድራቤት ዝተወልደ ሩቢዮ፡ ኣንጻር ቻይና ተሪር መርገጺ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ኪዳን ሰሜትን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ግን ካብ ናይ ትራምፕ ዝፍለ መርገጺ ከም ዘለዎ’ዩ ዝንገር።
ኣቐዲማ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዝነበረት ድሒራ ግን ድጋፋ ንትራምፕ ዘርኣየት ቱልሲ ጋባርድ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ንምዃን ተረቚሓ ኣላ።
ኣፈ-ጉባኤ ኰይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ ማይክ ጆንሶን፡ እቲ መዝነት ንዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ጸዲቑሉ ኣሎ።
ሓያሎ ካብዞም ብትራምፕ ዝርቍሑ ዘለዉ ኣብ ባይቶ ጽቡቕ ስም ዘይጸንሖም ወይ ድማ ኣከራኻሪ ጉዳያት ብምልዓል ዝፍለጡ’ዮም። እንተዀነ ኣብ ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ርፓብሊካውያን ንሰነት ክዕብልሉዎ ስለ ዝዀኑ መዝነቶም ንምጽዳቕ ከቢድ ሽግር ዘሎ ኣይመስልን ይብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ።
ቅጥዒ