ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ፖሊሶኦም ኣብ ጉዳይ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ኣቕሪቦም


ሪፓብሊካዊ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኦሃዮ ኣብዘካየድዎ ወፍሪ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ፖሊሶኦም ኣቕሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዘቕርቡ ዘለው ሓላፊ ወፍሪ ምርጫኦም ምስ ሩሲያን ዩክሬይንን ንግዳዊ ርክብ ነይሩዎም ዝብል ምርመራ ይካየድ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ያንግስታውን ኦሃዮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ: ዳዕሽ ናብዚ ብርኪ እዚ ክዓቢ ዝገበሩ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢኦም ዝነበራ ሂላሪ ክልንቴን እዩ ክብሉ ደጊሞም ነቒፎምዎም። ንሶም እንተተመሪጾም ንዳዕሽ ክስዕርዎም ምዃኖም ድማ ኣፍሊጦም።

" ምስ ናይ ጆርዳን ንጉስ ዓብዱላህ፣ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኣል-ሲሲን እዚ ናይ ሞት ስነ ሓሳብ ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ምስዝኣምኑ ካልኦትን ክንተሓባበር ኢና።ኣብዚ ሓድሽ ወፍሪ እዚ ምስ ኔቶ እውን ብቐረባ ክንሰርሕ ኢና" ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ።

ትራምፕ ናይ ምርጫ ሓላፊኦም ፓል ማናፎርት ምስ ሩሲያ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ምስ ዝፍለጥ ናይ ዩክሬይን ፓርቲ ንግዳዊ ርክብ ነይሩዎም ንዝተብሃለ ሪኢቶ ኣይሃብሉን።

ማናፎርት ካብቲ ፓርቲ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይተቐበልኩን እንተበሉ እውን ምስ ሩሲያ ዝነበሮም ሕሉፍ ንግዳዊ ርክባቶም ይምርመር ኣሎ።

ሂላሪ ክልንቴን እውን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ፔንስልቬኒያ ወፍሪ ኣካይደን።ምኽትል ፕሬዝዳንት ጆባ ባይደን ምስአን ነይሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ጆ ባይደን: " ናይ ትራምፕ ሓሳባት ኣዚዩ ጌግ ጥራሕ ከይኮነስ ሓደገኛን ዘይኣሜሪካዊን እውን እዩ።ትፈልጡ ኢኹም፤ንሕገ መንግስትና ዘለዎም ዝለዓለ ድንቁርና ዘግሃደ እዩ።ኣብ ኢድ ኣሸበርትን ፕሮፕጋንድኦምን ምፅዋት እዩ ዝኸውን" ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዝተኻየዱ ሃገራዊ መዕቀኒታት ሪኢቶ ህዝቢ ብማእኸላ ሂላሪ ክንልቴን ብኣስታት ሸውዓተ ምእታዊ ንዶናልድ ትራሞ ይመርሐሞ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG