ዋሽንግተን —
ኣብ ፈረንሳ ናይ ፈለማ ዑደት ዘኻይዱ ዘለው ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ውዕል ክሊማ ፓሪስ ምውጽኣ ብዝምልከት ለውጢ ትገብር እንተኾይና ቃል ኣይአተውን።
እንተኾነ ፕረዝደንት ትራምፕን ናይ ፈረንሳ መዘነኦም ኢማኑኤል ማክሮንን ከምጸረ ግብረ ሽበራን ጉዳይ ሶርያን ዝበለ አብ ዝሰማምዖም ዛዕባታት ትኹረት ጌሮም ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ልዕሊ ክሊማን ንግድን ምስ አተናጋዲኦም ናይ ፈረንሳ ፕረዝደንት ዓሙቅ ፍልልይ ዘለዎም ፕረዝደንት ትራምፕ ዑደቶም ካልእ ዕንቅፋት’ውን ኔርዎ’ዩ።
ኣብ ወፍሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ዓ.ም ኢድ ሩስያ ኔሩዎ ብዝብል ዝለዓሉ ሕቶታት እግረ እግሮም ስዒብዎም እዩ። ብዛዕባ’ቲ ካብ ውዕል ክሊማ ፓሪስ ንምውጻእ ዝገበርዎ ውሳነ’ውን ፈረንሳ ዘለዋ ሻቕሎት ክምልሱ ኔርዎም።