ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ ምህናጽ መንደቕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብቕልጡፍ ክጅመር አዚዞም


ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምቲ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ዝኣተውዎ ቃል ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ንምኽልካል ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብቕልጡፍ መንደቕ ክህነጽ ኣዚዞም ኣለው።

ፕረዝደንት ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ዘሕለፍዎ ክልተ ውሳኔታት ንምጅማር ህንጸት መንደቕ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንሓድሽ ሕግታት ኢምግሬሽን ዘየተግብራ ከተማታት ዝወሃብ መንግስታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደው ክብል ዝብል ይርኸብዎ።

“ኣብ ጉዳይ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ኣብ ቅልውላው ንርከብ ኣለና። ዋሕዚ ዘይህጋዊያን ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት ማለት ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝጎድእ ጉዳይ እዩ።”

ኣብ መሪሕነት ቁሩብ መዓልታት ዘቑጸሩ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ብምዃን ንቅልጡፍ ምጅማር ህንጸት እቲ መንደቕ ኣዊጆም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ምህናጽ እቲ መንደቕ ንክልቲአን ሃገራት ውሕስነት ጠቓሚ ምኻኑ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

“ሓንቲ ሃገር ብዘይ ዶባታ ሃገር ክትኸውን ኣይትክእልን እያ። ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣሜሪካ ንዶባታ ክትቆጻጸር እያ ዶባታ’ውን ከትመልስ እያ።”

ፕረዝደንት ትራምፕ ምህናጽ እቲ መንደቕ ብቕልጡፍ ክጅመር ኣብ ዝኣወጀሉ ሕጂ እዋን ሓደ ሰሙን ቅድሚ ዑደት ፕረዝደንት ሜክሲኮ ኤንሪከ ፔናኔየቶ ናብ ዋይት ሃውስ ኾይኑ ብተወሳኺ ኣብ ማእከል እቲ ኣካታዒ ጉዳይ ንወጻኢታት ዝህነጽ መንደቕ ሜክሲኮ ከምትሸፍን ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ዝገልጸሉን ፕረዝደንት ፔናኔየቶ ድማ ዝነጸግሉ ጊዜ’ዩ።

“ኣብ ኣወንታዊ ንግዲ፡ ውሑስ ዶባትን ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ብምትሕብባር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ። ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ከምዝዓብይ ድማ ብሓቂ ይኣምን እየ።”

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝሓለፈ ውሳኔ ፕረዝደንት ትራምፕ ምህናጽ መንደቕ ኣብቲ 3,200 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ 11 ሚልዮን ዘይህጋዊያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ መንግስታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝወሃበን ከተማታት እታ ሃገር እቲ ሓገዝ ደው ከምዝብል ይገልጽ።

እዚ ውሳኔ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክትግበር ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ፕረዝደንት ፔነኔየቶ ሎሚ ኣብ ቲዊተር ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ እቲ ናብ ኣሜሪካ ከካይድዎ ተወጢኑ ዝነበረ ዑደት ከምዘይፍጽሙ ሓቢሮም ኣለው።ንሶም ነዚ ውሳኔ ንቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምፍላጦምን ነዚ ውሳኔ ዝወሰዱ ድማ ፕረዝደንት ትራምፕ ሜክሲኮ ወጻኢታት እቲ ዝህነጽ መንደቕ ንምሽፋን ድልውቲ እንተዘይኾይና ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ፕረዝደንት ፔነኔየቶ ንምዝርራብ ድልው ከምዘይኾነ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ትራምፕ ምህናጽ መንደቕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብቕልጡፍ ክጅመር አዚዞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:36 0:00

XS
SM
MD
LG