ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ናይ ኤስያ ዑደቶም ንመራሕቲ ኤስያ ሰብኣዊ መሰላት ክኽብር ኣይደፍኡን ክብሉ ተሓለቕቲ መሰላት ነቂፎም


ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ምብራቕ ኤስያ ዑደቶም ንመራሕቲ ኤስያ ሰብኣዊ መሰላት ክኽብር ኣይደፍኡን ክብሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቂፎም።

እዚ ነቀፌታ ዝቐርብ ዘሎ ፕረዝደንት ትራምፕ ናይ መወዳእታ ዑደቶም ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ምስ መራሒ ፊሊፒንስ ረድሪጎ ዱተረ ኣብ ጎኒ ጎኒ ዞባዊ ዋዕላ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ተቓውሞ ሰልፈኛታት ኸአ ኣብ ማኒላ ምስ ፖሊስ ምግጫዎምን ምስሊ ፕረዝደንት ትራምፕ ምንዳዶምን ይፍለጥ።

“እዚ ርክብ ንህዝቢ ፊሊፒኒስ ዘምጽኦ ረብሓ የለን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ዘጋድድ’ዩ” ዝበለ ሓደ ካብ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG