ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተመሊሶም


ፕረ. ትራምፕ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተመሊሶም።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ማርክ ሚዶውስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኩነታት ጥዕንኦም ንምግምጋም ይሕክምዎም ምስ ዘለው ዶክተራት ሎሚ ሶኑይ ከምዝራኸቡ ብምግላፅ ሎሚ ካብ ሆስፒታል ክወፁ ምምሕዳሮም ተስፋ ይገብር ኢሎም።ሎሚ ንጉሆ ምስቶም ፕረዚደንት ከምዝተዘራረቡን ለይቲ ኩነታቶም ስለዝተመሓየሸ ናብ ስሩዕ ስርሖም ክምለሱ ድልው እዮም ኢሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ሓካይሞም ሰናይ ሪፖርት ምርካቦም ትማሊ ሰንበት ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ድሕሪ ምዝርግሖም ኣብ ዋልተር ሪድ ሃገራዊ ወታደራዊ ሆስፒታል ወፂኦም ባንዴራ ብእተንበልብል መኪንኦም ተኣኪቦም ንዝነበሩ ደገፍቲ ሰላምታ ሂቦም ኣለው።

ካብ ቤት ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ መግለፂ"ፕረዚደንት ትራምፕ ንደግፍቶም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ ዋልተር ሪድ ናብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ኣዳራሽ ተመሊሶም ኣለው’’ ይብል ።

ናይቶም ፕረዚደንት ሓኪም ዝኾኑ ዶክተር ሻን ኮንለይ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ "ኣብ ኣዚዩ ፅቡቕ ኩነታት ኣለው’’ኢሎም ።

ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ዓርቢ ንኣስታት ሓደ ስዓት ናይ ኦክሲጅን ናይ መተንፈሲ ሓገዝ ተዋሂቡዎም እናሃለወ ስለምንታይ መልሲ ዘይሃብኩም ዝብል ብሪፖርተር ሕቶ ቐሪቡሎም ነይሩ ኮንለይ "ብኻሊእ ኣንፈት ክርዳእ ዘኽእል ሓበሬታ ንዘይምሃብ እምበር ንምሕባእ ኣይኮነን" ኢሎም።

ሓኪም ስርዓት ምትንፍስ ዝኾኑ ዶክተር ሻን ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣገደስቲ ምልክታት ናይቶም ፕረዚደንት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዎም፣ብባዕሎም ከምዝንቀሳቐሱን ናይ ምትንፋስ ፀገም እውን ከምዘየርኣዩን ገሊፆም።

ኣብ ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ላዕለዋይ ሓኪም ስርዓት ምትንፋስ ዶክተር ብሪያን ጋርባልዲ ብከምዚ እንተቐፂሉ ሎሚ ሶኑይ ካብቲ ሆስፒታል ወፂኦም ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሶም ሕክምንኦም ካብኡ ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ኣ።

74 ዓመት ዝዕድሚኦምን ካብ ልክዕ ንላዕሊ ሩግዲ ዘለዎምን ፕረዚደንት ትራምፕ ሳንብኦም ተተንኪፉ እንተኾይኑ ግን ንፁር ኣይኮነን።ሓካይሞም ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ምርመራ ተረኺቡዎም ካብ ምባል ዝዘለለ ርእይቶ ኣይሃቡን።

ትራምፕ ትማሊ ምሸት ብመኪና ኣቢሎም ንደገፍቶም ክርኣዩ ዝገበሩዎ ምንቅስቓስ ብሓደ ሓኪም ዘይሓላፍነታዊ ብዝብል ተኾኒኑ ኣሎ።

ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ዩኒቨርስቲ ዋና ሓኪም ናይ ሓደጋ እዋን ዶክተር ጄምስ ፊሊፕስ ብቲዊተር ኣብ ዝተሓፉዎ መልእኽቲ እቶም ፕረዚደንት ተሳፊሮምላ ዝነብሩ መኪና ካብ መጥቓዕቲ ኬሚካል እትከላኸል ምዃና ብምሕባር ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ኮቪድ-19 ናይ ምምሕልላፍ ሓደግኡ ዝለዓለን ካብ ናይ ሕክምና ኣሰራርሓ ወፃኢን እዩ ኢሎም ።

ንሶም ብምውሳኽ "ዝተርኣየ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝገርም እዩ። ኣነ ዘሕስበኒ ነዚ ክሰርሑ ዝተገደዱ ዓጀብቶም እዩ’' ኢሎም ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ሃውስ ዲር ግን ዝግባእ ጥንቃቐ ተገይሩ እዩ ኢሎም ኣለው።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ንኣስታት 210,000 ሰባት ቀቲሉ ንኣስታት 7.4 ሚሊዮን ድማ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG