ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ናይ'ዚ ዓመት ሰብ መጽሔት ታይምስ ኮይኑ ተሰይሙ


መጽሄት ታይምስ ንምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይዚ ዓመት'ዚ ሰብ ወይ `ማን-ኦፍ ዘ ዪር` ክብል ሰይምዎ
መጽሄት ታይምስ ንምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይዚ ዓመት'ዚ ሰብ ወይ `ማን-ኦፍ ዘ ዪር` ክብል ሰይምዎ

መጽሄት ታይምስ ንምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይዚ ዓመት'ዚ ሰብ ወይ `ማን-ኦፍ ዘ ይር` ክብል ሰይምዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ነቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ መሸጣ ኣክስዮን ምጅማር ዘበስር ደወል ደዊሉ።

ትራምፕ ብዛዕባ ዝተወሃቦ ስያመ ክዛረብ ከሎ፡ “ መጽሔት ታይም ንኻልኣይ ግዚኡ ንዓይ ነዚ ክብሪ ምሃቡ ልዑል ክብሪ ይስምዓኒ” ኢሉ።

ነቲ `ናይዚ ዓመት ሰብ` ዝብል ስያመ ዘፍለጠ ዋና ኣሰናዳኢ መጽሔት ታይም ሳም ጃኮብስ ኣብ ተሌቭዥን ኤን-ቢ-ሲ ቀሪቡ ክዛረብ ከሎ፡ ትራምፕ ንጽቡቕ ድዩ ንሕማቕ ኣብ ዜና 2024 ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮ ሰብ `ዩ ኢሉ።

ትራምፕ ብዛዕባ ኵናት ቓዛ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ ነቲ ኵናት ከብቅዕ ክሰርሕ`የ፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንያሚን ነተንያሁ ድማ ይፈልጥ`ዩ ኢሉ። ንነተንያሁ ትኣምኖ`ዶ ዝብል ሕቶ ዝሰዓበሉ ትራምፕ “ንዝኾነ ሰብ ኣይኣምንን`የ" ክብል መሊሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG