ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ቀረጽ እንተወሲኻ ንኣመሪካ'ውን ዝጎድእ'ዩ ክብሉ ቀ/ሚ እታ ሃገር ሓቢሮም


ቀ/ሚ ካናዳ ኣብ ማራላጎ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ - 29 ሕዳር 2024.
ቀ/ሚ ካናዳ ኣብ ማራላጎ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ - 29 ሕዳር 2024.

ቀዳማይ ሚንስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝነበሮም ናይ ድራር እንግዶት ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ካናዳ ሰፊሕ ቀረፅ ንምንባር ዘለዎም ትልሚ ዝቕፅልሉ እንተኾይኖም ኣመሪካውያን’ውን ግዳያት ከምዝኾኑ ከምዝገለጹሎም ትማሊ ሰኑይ ሓቢሮም ክብል ኣሶሼይትድ ፕረስ ገሊጹ።

ትሩዶ ብሓላፊ ፀጥታ ዶባትን ህዝባዊ ድሕነትን ካናዳ ዝኾኑ ዶሚኒክ ለብላንክ ተማእኪሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ማርኣላጎ ኣብ ዝነበረ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ሰሜናዊ ዶብ ምስቲ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ዝመሳሰል ዘይሙዃኑ ንትራምፕ ብምርዳእ ወሰኽ ቀረፅ ንምትራፍ ዓሊሞም ነቲ ርክብ ኽግበር ምሕታቶም ገሊጾም።

ትሩዶ ምስ ትራምፕ ድሕሪ ዝነበሮም ርክብ ብዘይ ገለ ውፅኢት እዮም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ትራምፕ ግን ነቲ ርክብ “ውፅኢታዊ” ክብሉ ገሊጾም።

መብዛሕትኦም ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ፈንታኒል ዝተባህለ ኣደንዛዚ ዕጽ ኣብ ዓመት ኣስታት 70,000 ሞት ከምዘስዕብን እዚ ድማ ካብ ሃገራት ኤስያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዝመፁ ዕፀፋርሳት ብምጥቃም ኣብ ሜክሲኮ ብዝስርሑ መድሃኒታት ምዃኖም ይግለጽ።

ካናዳ ዝለዓለ ሰደዳ ናብ ኣመሪካ እዩ። መዓልታዊ ናብ 3.6 ቢልየን ዶላር ካናዳ (2.7 ቢልየን ዶላር ኣመሪካ) ዝግመት ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ካናዳውያን ዶብ ሰጊሩ ናብ 36 ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ይኣቱ። 60 ሚእታዊት ዘይተፃረየ ነዳዲ ኣመሪካ፡ 85 ሚእታዊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ’ውን ካብ ካናዳ ይስደድ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG