ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ መራሕ መኪና ሞይቱ


ክልል ኣምሓራ
ክልል ኣምሓራ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ መራሕ መኪና ሞይቱ፡ ሓደ ካልእ ቆሲሉ ካልኦት ብዝሒ ዘለዎም ድማ ምጭዋዮም ነቲ ኩነታት ብቕርበት ዝከታተሉ ግን ብሰንኪ ስግኣት ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ውልቀሰባት ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መስመር ጎንደር ባህርዳር ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ሽዱሽተ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን እቲ መጥቃዕቲ ምግጣሙን “ጥሩፍ” ክብል ዝጸውዖ ጉጅለ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስም ጉጅለ ከይገለጸ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ውልቀሰብ ኣስታት 200 መካይን ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂቦም ኣብ ዝጕዓዝሉ ዝነበረ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመን ገለ ካብቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም መካይን ኣብቲ ቦታ ከምዝርከቡ ይገልጽ። ንሱ ወሲኹ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ይግለጽ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ዘሎ ግጭት ጽዕነት ዝሓዛ መካይን ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂበን ከምዝጕዓዛ እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ድማ እተን መካይን ብዙሓት ብምዃነን ዓጀብቲ ድማ ብምውሓዶም ምዃኑ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።

ድምጺ ኣመሪካ ነዚ ብዝምልከት ካብ ፈደራል ኮነ ናይቲ ክልል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዘካየዶ ፈተነ ኣይተዓወተንን።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG