ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ፡ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ብዘጋጠማ ሓደጋ 19 ስደተኛታት ሞይቶም


ኣብ ሊብያ ከተማ ባኒ ዋሊድ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ 19 ስደተኛታት ክሞቱ ከለው 60 ምቁሳሎም ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ሆስፒታል ከተማ ባኒ ዋሊስ መሓመድ ኣል-ሙባረክ እታ መኪና ካብታ ከተማ 180 ኪ.ሜ ርሕቀት ከምዝተገልበጠትን ብውሑዱ 78 ሰባት ምቁሳሎምን ካብኦም እቶም ሸሞንተ ብጽኑዕ ዝቆሰሉ ምኳኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ብምግልባጣ 19 ስደተኛታት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

ንሶም ብተወሳኺ መራሒ እታ መኪና ናብቲ ሆስፒታል ከምዘይመጸን ካብቶም ግዳያት ዝበዝሑ ኤርትራዊያንን ሶማልያዊያምም ምኳኖም ቁጽሪ ዝሞቱ 25 ክኸውን ከምዝክእል ይገልጹ።

ከተማ ባኒ ዋሊድ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ብወገን ደቡብ 178 ኪ.ሜ ርሕቀት ትርከብ ከተማ ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን መናሃሪ ስደተኛታት ምኳና ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG