ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቦብላዊ ዝናብ ኣይዳሊያ ካብ ፍሎሪዳ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ምሕላፉ ሰብ-ሞያ ይገልጹ


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዘጋጠመ ትሮፒካዊ ህቦብላ ዝናብ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናብ ግዝኣት ኖርዝ ኮረላይና ደይቡ ነታ ግዝኣት ከቢድ ዝናብ ኩዕዩላ`ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሃገራዊ ማእከል ሀሪከይን እቲ ኣይዳሊያ ዝብል መጸውዒ ስም ዝሓዘ ህቦብላዊ ዝናብ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ኖርዝ ኮሮላይና ከቢድ ውሕጅ ኣስዒቡ`ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መሸበባ ዝናብ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ምሕላፉ'ውን ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ፐሪ ዝተባህለት ከተማ ፍሎሪዳ ዘጋጠመ ህቦብላዊ ዝናብ ጉድኣት ምስዓቡን ኣብ ግዝኣታት ጆርጅያን ፍሎሪዳን ኣስታት 500-ሽሕ ኣባይቲ ብዘይ መብራህቲ ኣትሪፉ። ብድምር ሰለስተ ሰባት ምሟቶም`ውን ተጸብጺቡ`ሎ። ሕጂ ኣንፈት ኣይዳሊያ ናብ በርሙዳ ገጹ ኣምሪሑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG