ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፍሊፒንስ ብሰንኪ ዘጋጠመ ትሮፒካዊ ማዕበልን ምህማም መሬትን 24 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ፍሊፒንስ ብሰንኪ ዘጋጠመ ትሮፒካዊ ማዕበልን ምህማም መሬትን ብውሕዱ 24 ሰባት ሞይቶም፡ መካይን ወሲዱ፡ ጽርግያታት ዓጽዩ፡ ሰባት`ውን ኣብ ማእከል ተቐርቂሮም ከም ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ።

ኣብ ደሴት ሉዞን ኣብያተ ጽሕፈትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዩ፡ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምድሓን ይጓየ ኣሎ። ቁጽሪ ሞት ከም ዝውስኽ ይግመት።

ተንበይቲ ኩነታት ኣየር እቲ ንሰዓት 115 ኪ.ሜ ዝውንጨፍ ህቦብላ ንፋስ ዝሓዘ ዝናብ፡ ናብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ገጹ ኣብ ዝጉዓዘሉ ዘሎ እዋን ናብ ታይፉን ክሕይል ይኽእል`ዩ ይብሉ። በቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ባኩል ልዕሊ 1,000 ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ኣስታት 300 ጽርግያታትን ድልድላትን ከም ዝተዓጽዉን `ውን ይግለጽ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንፍሊፕንስ ኣስታት 20 ህቦብላ ማዕበላት ይሃርማ። ኣብ 2013 ብዘጋጠመን ኣብ ታሪኻ ካብ ዝኸፈአ ተባሂሉ ዝተመዝገበን ሓደጋ፡ ልዕሊ 7,300 ሰባት ምሟቶምን ዓድታት ብምሉአን ከም ዝተደምሰሳን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG