ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢን ሃብቲ ማያት ኢትዮጵያ፥ግብጽን ሱዳንን ሎሚ ኣብ ከተማ ካርቱም ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢን ሃብቲ ማያት ኢትዮጵያ፥ግብጽን ሱዳንን ሎሚ ኣብ ከተማ ካርቱም ተራኺቦም: ተዘራሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዘይ ስምምዕ ካብ ዝቋረጽ ንደሓር በዚ መልክዕ ልዝብ ክካየድ ፈላማይ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ ሃገራት ልዝብ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ሚንስትር ሃብቲ ማያትን ጸዓትን ዶ/ር ስለሺ በቀለ ምስ መዘነኦም ናይ ሱዳንን ግብጺን ሚንስትራት ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

ኢትዮጵያ ዝያዳ ከቐራርብ ይኽእል’ዩ ዝበለቶ ሃሳብ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምይይጥ ምቅራባ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜሪካ ብቴሌፎን ገሊጾም።

“ብአና ወገን ነዚ ምይይጥ ዝኸውን ከቐራርብ ዝኽ እል ሓሳብ አብቲ መድረኽ ቀሪቡ’ሎ እዚ ሓሳብ ተቀባልነት እንተረኺቡ ከም ሰናይ ስጉምቲ ክ ውሰድ ይኸአል ኣብቲ ሓሳብ ዝርዝር ርእይቶ ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን ገና እቲ ልዝብ ኣይተወደአን።”

ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ካይሮ ቅድሚ ሓሙሽተ አዋርሕ ምስምማዕ ስኢነን እቲ አኼባ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ ዛጊት ክኻየድ ኣብ ዝጸንሓ ልዝብ ኣብ ምንታይ ተሰማሚዔን አለዋ ክበሃል ይከአል ንዝብል ድማ አቶ መለስ አለም ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም።

“ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ጥራይ ዘይኾነስ ምስ አጠቃቕማ ማይ አባይ ብዝተሓሓዝ ንዘበናት ዝጸንሓ አፈላላይ አሎ’ዩ ካብ ወገን ሱዳን ዓብይ ለውጢ መጺኡ’ሎ እቲ ህንጸት ንዓኣቶም’ውን ለውጢ ዘምጽዕ ረባሕ ከምዝኾነ ጌሮም ወሲዶም አለው ብወገን ግብጺ’ውን ሰናይ ስጉምቲታት ኣለው አፈላላይ ጥራይ አይኮነን ዘለው ስምምዕ ምፍራሙ ከም ዓብይ ስጉምቲ ክውሰድ አለዎ ባዕሉ ልዝብ ምጅማሩ ከም ዓብይ ስጉምቲ ክነአድ ዘለዎ’ዩ”ኣለው።

XS
SM
MD
LG