ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊት ትርሓስ መብራህቶም ብሞያ ሓለዋ ጥዕና ዓለምለኸ ሽልማት ረኺባ


ትርሓስ መብራህቶም
ትርሓስ መብራህቶም
ጓል 25 ዓመት ትርሓስ መብራህቶም ኣብ ትግራይ ዓድዋ ጣብያ ሰሎዳ ማሕበረሰብ መሰረት ኣብ ዝገበረ ዓውዲ ጥሙር ጥዕና ትሰርሕ፡፡ ብዋናነት ኣብ ምክልኻል ሕማማት፣ ምክንኻን ህጻውንቲ፣ ኣስተምህሮ ምጣነ ስድራ፣ ክታበት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምክልኻል ዓሶን ኤች ኣይ ቪ ቫይረስን ብዘመዝገበቶ ልዑል ኣበርክቶ’ያ ንሽልማት ታሓርያ፡፡

ብተወሳኺ ትርሓስ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ምምሕዳር ኣፋውስን እኹልን ግቡእን ኣፋውስ ክህሉ ኣብ ምኽኣልን ብዓርሰ-ክእለት ሰልጢና ኣብ ተግባራዊ ውራይ ዝወፈረት ንእስቲ ክኢላ ጥዕና ምዃና ነቲ ሽልማት ዝሃበ Real Awards ዝተባሃለ ዓለምለኻዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ገሊጹ’ዩ፡፡

ትርሓስ ኣብ ጣብያ ሰሎዳ ተቖጺራ ካብ ዝሰረሐትሉ 2001 ዓ.ም ብፍላይ ድማ ሞት ኣደታት ንምንካይ ዝተጠናኸረ ወፍሪ ካብ ዝተኻየደሉ 2003 ዓ.ም ንነዘ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ዝሞተት ወላ ሓንቲ ኣደ የላን ትብል፡፡ ትርሓስ መብራህቶም ንውጽኢት ስራሓ 20 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ወይ ድማ 367 ሽሕ ቕርሺ ከምኡ’ውን ናብ ዋሽንግተን ዲሲ መገሻ ክትሽለም ‘ያ፡፡

ትርሓስ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ወፊሮም ዘለዉን ብመንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ’ውን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝሰልጠኑ 30 ሽሕ ታሕተዎት ሰብ ሞያ ጥዕና’ያ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG