ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ስብሓት ነጋን ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ኣብ ኣተሓሕዛ ደርቂ ናይ 77 ሓያል ኣፈላላይ ይሕዙ


ህወሓት ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ምስታፋ ግና ይሰማምዑ

ደርግ ዝኣወጆ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ንምፍሻል ህወሓት ኣብ ጎኒ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግንባር ሳሕል ተሰሊፋ ዝተዋገአት ንስራተጂካዊ ረብሓኣ ኢላ‘ያ ዝበሉ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፣መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ግና ኣብ ቅድሚ ዓለም ዓበዪቲ ሰባት መሲሎም ንክራኣዩ ኢሎም ነቲ ሓባራዊ ታሪኽ ይሓብእዎ ነይሮም ይብሉ።

ኣቶ ስብሓት ነጋ ብወገኖም፣ሓደ ሃገር ወይ ውድብ ምስ ካልኦት ዝተሓባበረሉን ነቲ ምትሕብባር ኣፀቢቁ እንተመዝሚዝዎን ብቅዓት‘ዩ።፡እቲ ዘግርም ነገር መሪሕነት ሻዕብያ ምትሕብባር ድኽመት‘ዩ ዝመስሎም።ንዓና ሓጊዞምና‘ዮም ዘይምባሎም፣ኣብ ታሪኽ ከሕትቶም ይኽእል‘ዩ ይብሉ።

ብዘይካ‘ዚ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ሰብዓታት፣ህወሓት ነቲ ካብ ለገስቲ ዝተቀበለቶ ኣስታት ሚእቲ ሚልዮን ቅርሺ 95 ሚእታዊ ንመጠናኸሪ ማሌሊትን ሰራዊትን እቲ ዝተረፈ 5 ሚእታዊ ጥራሕ ናብ ግዳያት ደርቂ ኣውዒላቶ፣ኣነ ብወገነይ ንህዝቢ ዝብጀት መጠን ገንዘብ ቁሩብ ንወስኸሉ፣ምስረታ ማሌሊት‘ውን ነናዋሓዮ እንተበልኩ ሰማዒ ኣይረኸብኩን ኢሎም።

ኣቶ ስብሓት ነጋ ብወገኖምሓሙሽተ ሳንቲም ንማሌሊት ዝባሃል ኣይወፀን፣ሚእቲ ሚልዮን ቅርሺ ዝባሃል እውን ናብ ትግራይ ብሓደ ጊዜ ኣትዮ ኣይፈልጥን።እንታይ‘ዩ መዓቱ፣ ናይ ትማሊ ታሪኽ፣ኣብ‘ቲ ታሪኽ ዝነበሩ ሰባት ብህይወት እናሃለው፣ከመይ ገይርካ እዚ ዘረባ‘ዚ ካብ በሪሁ ይወፅእ? ይብሉ።

XS
SM
MD
LG