ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ሓድሽ ውደባን ኣመዳድባን ኣብ ሰራሕተኛታት ቚጥዐ የስዕብ


ብሰንኪ ዝተኣታተወ ሓድሽ ውደባን ኣመዳድባን "ኣብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ቤት ጽሕፈታት መንገድን መጎዓዚያን ኣዲስ ኣበባ ክንሰርሕ ዝፀናሕና ልዕሊ 600 ሰራሕተኛታት ከይተመደብና ተሪፍናን ካብ ስራሕ ተባሪርናን" ክብሉ ቚጥዐኦም ኣስሚዖም።

ብመሰረት ዝቐረበ ቚጥዐ : እቲ ሓድሽ ምደባ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ክብሉ እውን እቶም ሰራሕተኛታት ተዛሪቦም ኣለው።

ካብቶም ካብ ሕጊ ወፃኢ ተባሪርና ዝበሉ ሓንቲ ንቪኦኤ ቃላ ዝሃበት "ቀዳምነት ዝተውሃቦ ንኣባልት ውድብ እዩ" ኢላ።

"ዋላ ሓደ ሰራሕተኛ እውን ኣይተባረረን" ዝበለ እቲ ቤት ጽሕፈት: እቲ ሓድሽ ምደባ ልምዲ ስራሕን ትምህርትን መሰረት ዝገበረ ምዃኑን: በቶም ሰራሕተኛታት ዝቐረበ ሓበሬታ ጌጋ እዩ ይብል።

ምኽትል ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ቢኒያም ምክሩ "ካብ ስራሕ ዝተባረረ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታኡ: በቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ትምህርትን ልምዲ ስራሕን ዘየማልኡ ሰራሕተኛታት በብዝርከብሉ ክፍለ ከተማታት ብዝሓዝዎ ደሞዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያት ፅሕፈት ክምደቡ እዮም ድማ ኢሎም።

ንሶም ካብ ምደባ ወፃኢ ፣ዝተባረረን ዝተነከይን ዋላ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ የለን ክብሉ ደጊሞም ኣፍሊጦም። እቲ ቤት ጽሕፈት ስርዓት መጎዓዚያ እታ ከተማ ንምዕርራይ ብዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ከምዝጀመረ ይጠቅስ ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG