ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብልሽውና ብዓለምለኸ ደርጃ ምግፍሑ ቐፂሉ’ሎ ተባሂሉ


ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ህዝባዊ ቑጥዐ ብምቕስቃስ ንመንግስትታ ካብ ስልጣኖም ናይ ምውራድ ምኽንያት ዝኾነ ግዕዝይና ሕዚ’ውን ኣብ ዓለም እናተጋፍሐ ይኸድ ከምዘሎ ብዛዕባ ግዕዝይናን ተሓታትነትን ዝሰርሕ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ዓለምለኸ ትካል ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ፀረ ብልሽውና ቓልሲ ኣዐሪያ ከምዘንቆልቆለት ተገሊፁ’ሎ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ብሕድ ሕድ ኵናት ዝተሃሰየት ሱምሊያ፣ሰሜን ኮሪያን ኣፍጋኒስታትን ዝሓመቐ ደረጃ ግዕዝይናን ተሓታትነትን ኣለወን ብመሰረት እቲ ሪፖርት።ዴንማርክ፣ፊንላንድን ኒው ዚላንድን ግን ዝተሓተ ግዕዝይና ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ኣለዋ።
ደቡብ ኣፍሪካዊት ሃገር ቦትስዋና ካብ ኣፍሪካ ግዕዝዩና ብዝተሓተ ደረጃ ዝፍፀመላ ሃገር ተባሂላ’ላ።ማዕረ ሃገራት ስፐይንን ዩናይትድ ስቴትስን ተሰሪዓ’ላ።ወሃቢ ቃል ትካል ፀረ ግዕዝዪና ቦትስዋና እታ ብማዕድን ዝበልፀገት ሃገር ካብ ግዕዝይና ንምንፃህ ኣበርቲዓ ሰሪሓ እያ ይብሉ።
ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ዝዓብየት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ረድኤት ተጠቃሚት ዝኾነት ኢትዮጵያ ካብ ቐረባ ዓመታት ጀሚሩ ናይ ስቪል ማሕበረሰብ ትሕዝቱኣ እናደኸመ ይመፅእ ከምዘሎንኣብ ፀረ ብልሽውና ወፍሪ ኣዐሪያ ከምዝወረደትን ነቐፈቲ ይኸሱ።
ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ጨንፈር እቲ ትካል ኣዶ መንበር ዝኾና ካናዳዊት ዩጌት ሊቤል ኢትዮጵያ ናይ ህዝባ መነባብሮ ንምምሕያሽ ክትፅዕር እንተፀንሐት እውን ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር ግን ብልሽውና ዘተሓሳስብ ኮይኑ ቐፂሉ’ሎ ይብላ።’’ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ግን ስቪል ማሕበረሰብ ምንቅስቓስ ዝገብርሉ ሃዋህው እናፀበበ ይኸይድ ምህላው ዘሻቕል እዩ።እዚ ጥዕና ዘለው ኣይኮነን።’’
ብልሽውና ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲያዊ ትካላት፣ ኢኮኖሚያዊ ሃብትን ኣሉታዊኡ ናይ ሃገራት ምንጪ ሓደጋ ፀጥታ ሓደጋ ዘስዕብ ስለዝኾነ ንግዕዝይና ምውጋእ ናይ ኩሉ ብፅሒት እዩ ኢሎም ኣለው።
XS
SM
MD
LG