ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ዝምድና ሃገራት ስግረ ኣትላንቲክ ሓያል'ዩ ዘሎ" ብሊንክን


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ ኣብ ብራስለስ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ተራኺቦም ንብርተዐ ኪዳን ስግረ-ኣትላንቲክ ኣብ ዝምልከት ኣኼባታት ተሳቲፎም።ብሊንከን ምስ ወኪል ላዕለዋይ ጉዳያት ወፃኢን ፖሊሲ ፀጥታን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፕ ቦረል ድሕሪ ምርኻቦም ዘተ እቶም ሰብ-መዚ ኣብ ምትሕብባራት ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዓለምለኻዊ ብደሆታትን ከምጽኦ ንዝኽእል ኩነታት ዝሓወሰ ኾይኑ ካብ ኢትዮጵያ ስጋብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝሓወሰ ምኳኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ርክብ ቀንዲ ጠመተ ተዋሂብዎ ዝነበረ ጉዳይ ግን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ መጥቃዕታዊ ወራር ነይሩ።ብሊንከን “ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ብሓባር ተጣሚሮም ዩክሬን መሰል መሬታ፣ ህዝባን ናይ ገዛእ ርእሳ መገዲ ባዕላ ናይ ምምራፅ መሰላን ኣብ ተረጋግፀሉ ኣገባብ ይሰርሓ ኣለዋ” ኢሎም ።

ንሶም ወሲኾም ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሚልዮናት ዝግመት ቁጠባዊን ሰብኣዊን ምትሕብባራት ብተወሳኺ 13 ቢልዮን ዶላር ንወተሃደራዊ ምትሕብባራት ወጻኢ ምግባሮም ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮጳ ብመገዲ መሳለጥያ ሰላም ኣውሮጳ ኣቢሉ ንዩክሬን ናይ 2 ቢልየን ዩሮ ተተኮስቲ ከምዝሃባ ኣፍሊጡ። ከምኡ’ውን ኣመሪካ ንዩክሬን ኣብ እትህቦ ሓዱሽ ፓኬጅ ሓገዝ 500 ሚልዮን ወተሃደራዊ ተተኮስቲ መሳርሕታትን ናይ 2.1 ቢልዮን ዶላር ተተኮስቲ፣ ሲስተማት ሞርታር፣ ሮኬታትን ፀረ-ኣፅዋርን ዘጠቕለለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ብተወሳኺ “ንዓቕሚ ኲናት ሩስያ ዘዳኽም እገዳታትን ቁፅፅር ሰደድን ይገብራ ኣለዋ” ክብሉ ኣመልኪቶም።

ንሶም ወሲኾም ፅግዕተኛነት ጋዝ ሕብረት ኣውሮጳ ካብቲ ኣብ ምጅማር'ቲ ኲናት ዝነበረ 40% ኣብ 2022 ናብ 15% ከውርድ ምኽኣሉ ንኢዶም። እዚ ነቲ ኣብ ኣመሪካ 140% ወሰኽ ዘስዓበ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣውሮጳ ዝተገበረ ሰደድ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሓዊሱ ምኻኑ ገሊጾም።

ካልእ ዘይተለመደ ምትሕብባራት ዝተራእየሉ ደሕንነት ፀዓት ኮይኑ ሓደጋ ከባቢያዊ ኣየር ንምክልኻል ሓባራዊ ተበግሶ ዝሓትት እዩ። ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዓለምለኻዊ ምስግጋር ፅሩይ ፀዓት ንምቅልጣፍ፣ ተፃዋርነት ዘለዎ፣ ውሑስን ዝዓበየን ቀረብ ሰንሰለት ተሓዳሲ ፀዓት ንምህናፅ ምውሳኖም ብሊንከን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን እዚ ኹሉ ምስ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ቦረል ዝግበሩ ዝነበሩ ዘተታት ዴሞክራስያዊ ክብርታቶምን ንምሕያል ኣብ ዘኽእል ሓባራዊ ጠመተ ዘድሓበ ምንባሩ ይገልፁ።

ብሊንከን“ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዘሎ ርክብ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለፀን ዳይናሚክ ዝበሃልን ዝምድና እዩ። ኣነ ድማ መፃኢ ኽልቲኦም ህዝብታት ኣትላንቲክ ዝያዳ ውሑስን ዝሓየለን ንምግባር ምስራሕ ምቕፃልና ሕጉስ እየ” ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG