ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ካብ ፍርያት መዓር ተወሳኺ ኣታዊታት ንምርካብ ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ


ኣብቶም ብኣፍረይቲ ንህቢ ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይውሃቦም ፍርያት ንህቢ ዝኾኑ ከም መርገኛን ደቦኾናይን ምስ መዓር ብምሕዋስ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ዘለዎም ረብሕን ኣብ ምልላይን ተወሳኺ ኣታዊታትን ዘተኮረ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ላዕለዋይ ክኢላ ንህቢ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ተስፋጽዮን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

እቲ ብክኢላታት መፍረ ንህቢን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 5 ኣብነታውያን ሓረስቶት መፍረ ንህቢን ዞባ ማእከል ዝውሃብ ዘሎ ግብራዊ ስልጠና መርገኛን ደበኾናይን ምስ መዓርን ካልኦት ባህርያዊ ኣትክልትን ቀመማትን ተሓዊሱ ኣብ ምፍዋስ ሕማማት ላዕለዋይ ስርዓተ-ምስትንፋስ ከም ሰዓል፡ኣዝማ፡ሓናትን ካልኦት ሕማማት ቆርበትን ስርዓተ መፍረን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎን ዝጠቐሰ ኣብነታዊ ሓረስታይ መፍረ ንህቢ ኣቶ ሃብተኣብ ገሃድ፡ እቲ ስልጠና ኣፍልጦ ኣፍረይቲ ንህቢ ኣብ ምዕባይን ተገዳስነቶም ኣብ ምልዓልን ዓቢ ድርኺት ፈጢሩ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG