ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ናብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ 20 ሰባት ሞይቶም


ከተማ ሻሸመኔ -ፋይል
ከተማ ሻሸመኔ -ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሻሸመኔ ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብውሕዱ 20 መማህራን ዩኒቨርሲቲ ሞይቶም።ሓላፊ ፖሊስ`ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ፡ ጠንቂ `ቲ ሓደጋ ጉድለት ጥንቃቐን ሕማቕ ጽርግያን`ዩ ይብል።

ዝሓለፈ ወርሒ`ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ 18 ተሳፈርቲ ሞይቶም ኔሮም`ዮም። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ዝለዓለ ሞት ሓደጋ መካይን ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ምዃኑ ክጥቀስ ጸኒሑ`ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራሕ ብውሕዱ 1,178 ሰባት ብሓደጋ መኪና ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG