ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህላዊ ስነጥበብ ከተማ ሃረር


ከተማ ሃረር
ከተማ ሃረር

ጥንታዊት ከተማ ሃረር ካብ ዝተመስረተትሉ 7ይ ክፍለ ዘመን ጀሚራ ማእከል ባህልን ልምድን ኣመንቲ እስልምና ኮይና’ያ ጸኒሓ። ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ድማ ኣሚር ኑር ኢብን ሙጀሂድ ኣርባዕተ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ሓጹር ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ሃኒጾም፡ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ከተማ ክንየው እቲ ሓጹር ትሰፍሕ ምህላዋ ይፍለጥ።

ከተማ ሃረር ብዘለዋ ቅዲ ስነ ህንጻ፡ ባህላዊ አልባሳትን ኢደ ጥበብን ሓንቲ ካብ ቅርሲ ዓለም ተባሂለን ብትካል ዩኔስኮ ዝተመዝገባ ከተማታት ክትኸውን በቒዓ’ያ።

ባህላዊ ስነጥበብ ከተማ ሃረር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:06 0:00

ህዝቢ ሃረር በቲ ነታ ከተማ ዘፍልጣ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት ይኾርዑ። እዚ ካብ መቃንን ሕብራዊ ፈትሊን ዝሰርሕዎ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት ካብ መትሓዚ ዝተፈላለየ ነገር ዝኾነ ጀምቢል፡ መመላኽዒ ገዛን ቆብዕን ዝአመሰሉ ስርሓት ዘጠቓለለ እዩ።

ናቪዳ ናይ ሞያ መሰልጠኒ ማእከል ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ከተማ ሃረር ንባህላዊ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት የሰልጥን።

እዚ ስልጠና ነቲ ባህላዊ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት እታ ከተማ ንከይጠፍእ ንምዕቓብ ምኳኑ’ውን መማህራን እቲ መሰልጠኒ ማእከል ይገልጹ።

ሰዓዳ ዓዲቦሽ “ ንደቂ ደቀይ እየ ነዚ ኢደ ጥበብ ዝምህር ዘለኹ ምክንያቱ ነዚ ባህላዊ ኢደ ጥበባዊ ስርሓትና ክጠፍእ ኣይንደልይን። ደቅናን ደቂ ደቅናን ባህሎምን ልምዶምን ከይፈልጡ ክዓብዩ ኣይንደልይን። ጽቡቕ ዝኾነ ባህሊ አለና። ንመትሓዚ ዝተፈላለየ ኣቑሑት ዝገልግል ብዙሕ ስርሓት አለና።”

ኣብዚ መሰልጠኒ ዝመሃሩ ብተወሳኺ ስርሓት ዕንጨይቲ፡ ምስፋይ ክዳውንቲ ከምኡ’ውን ጥልፊ ይስልጥኑ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከተማ ሃረር መበል 1010 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ እታ ከተማ አኽቢራ። ኣብዚ በዓል ድማ ነበርቲ ኮነ በጻሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ባህላዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ቀንዮም።

ሓደ ካብ ተማሃሮ ተፈሪ የሱፍ “ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት’የ ነዚ ትምህርቲ ጀሚረ፡ ነቲ ዝጀመርኽዎ ስርሓት ወዲአ ክወጽእ ድማ ተስፋ ይገብር” ይብል።

እቲ መሰልጠኒ ማእኸል ብመንግስቲ ዝድገፍ ኮይኑ ተማሃሮ ብነጻ ከምዝመሃሩ ኣብዚ መሰልጠኒ ማእከል ዝስርሑ ስርሓት ድማ ናብ ዕዳጋ ቀሪቦም አታዊኡ ነቲ መሰልጠኒ ማእከል ከምዝውዕል ሓላፊ እቲ መሰልጠኒ ማእከል መሓመድ የሕያ የረድኡ።

“ ካብዚ ስልጠና ብዙሕ ጥቕሚ ክር ብ ይክኣል። መንእሰያት ደቂ አንስትዮ ንሞያ አዴታተንን ይቀስማ። ብተወሳኺ ነቲ ዝተወደአ ስርሓት ኣብ ዕዳጋታት እታ ከተማ ልዑል ጠለብ ይረኽብ ምህላው ንምፍላጥ እቲ ባህሊ’ውን ዓብይ አብርኽቶ አለዎ።”

XS
SM
MD
LG