መቐለ —
“ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተሓባበርቱ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ብምልኣት ከይትግበር ይሰርሑ ኣለዉ፡” ክብሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ህወሓት ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኮይኖም ዝተመረፁ ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን ተዛሪቦም። መግለፂ እቶም ኣባል ፈፃሚ ስራሕ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ስምምዕ ንምፍራም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጓዓዙ ተዛተይቲ’ውን ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ምንባሩ ገሊፆም። ነቲ ጉጅለ መሪሖም ዝፈረሙ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ስምምዕ ብምሉእ ንኸይትግበር ካብ ወገን ውድብ ህወሓት ንምምሕዳሮም ዕንቅፋት ይገጥሞ ምህላዉ ኣቀዲሞም ከሲሶም ነይሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ