ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ህወሓት ደጊም ተዳኺሙ‘ዩ ምባል ሕልሚ‘ዩ ኢለን ሓላፊት ፖለቲካዊ ቤት ፅሕፈት


TPLF
TPLF
“ህወሓት ሎሚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣመራርሓ ጎዲልዎ፤ካብቲ መጀመርታ ግዜ ዕጥቂ ቃልሲ ኣትሒዙ ከም ባዓል ሙሴ ዝበሉ ፅቡቓት መራሕቲ ተሰዊኦሞ እዮም፡፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እውን መራሕቲ ከይደሞ እዮም፡፡ እዚ ኹሉ እትኾን ኣብ ህወሓት ከም ባህሊ ንድሕሪት ምምላስ ተራእዩ ኣይፈልጥን” እንትብላ ሓላፊት ውዳበ ህወሓት ወይዘሮ ትርፉ ኪዳነማርያም ተዛሪበን፡፡
ነዚ ሓሳብ እዚ መበገሲ ኮይኑ ዘሎ መራሕቲ ተቓዋሚ ውድብ መድረኽ ኣይተ ገብሩ ኣስራትን ኣይተ ስየ ኣብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ተረኺቦም “ህወሓት ደጊም ከምቲ ብዘመነ ኣመራርሓ ኣይተ መለስ ዜናዊ ዝነበሮ ጥንካረ ኣይክህልዎን” ዝበልዎ ኣበሃህላ እዩ፡፡
ዘይጸረየ ነገር የብልናን ዝብላ ወይዘሮ ትርፉ ዕንቅፋት የለን እቲ መንገዲ ብሩህ እዩ፤ እቲ ስትራቴጅን ፖሊስን እውን ንፍረ በቒዑ እዩ፡፡ ህወሓት ደጊም ክዳኸም እዩ ዝብልዎ ኣበሃህላ ሕልሚ እዩ እንትብላ ይገልፀኦ፡፡
ህወሓት ንባዕሉ ከጥፍእ ዝቃለስ ውድብ እዩ ዝብል ኣበሃህላ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ መሰረታዊ ለውጢ ምስ ኣምፀአ ኣብ ሓደ መዋእል ጠጠው ክብል እዩ፤ እቲ ኢኮኖሚ ካብ ሕርሻ ዝመርሖ ናብ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ንኽሰግር ዝቃለስ ማለት እዩ ይብላ፡፡
ነባር ኣመራርሓ ህወሓት መናእሰይ ምሁራት ኣየቕርብን፤ ክንትካእ ኢና ዝብል ዘረባ ኣብ ባይታ ኣይተራኣየን ስልጣን በቶም ነባራት ተጋደልቲ እዩ ተባሒቱ ዘሎ ንዝብል ነቐፌታ ገለ ወገናት መልሲ ሂበናሉ ኣለዋ ወይዘሮ ትርፉ፡፡
ምትኽኻእ ማለት ከም ሰፍኢ ኣብ ሓደ ለይቲ ምግልባጥ ገይሩ ዝርዳእ እንተሃልዩ ጌጋ እዩ፤ እቲ ነባርን ሓዱሽን ወለዶ እናተጎራረሰ ተመክሮ እናተለዋወጠ ዝሳለጥ ዕላማ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ ብምባል ይገልጻ፡፡
please wait
Embed

No media source currently available

0:00 0:04:53 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG