‘ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፣ ንናይ ውህደት ኣጀንዳ ተመያይጡ ንክውስን ሕጋዊን ፖለቲካዊ ስልጣን ከምዘይብሉ’ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣፍሊጡ።
ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ናብ ቤት ጽሕፈት ኢህወዴግ ብመሰረት ሎሚ ዝላኣኾ ደብዳቤ ‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት መጽናዕቲ ንክዘራረብ ዝሓዞ መደብ ንጎኒ ገዲፉ፣ ናብ ውህደት ንሳገር ብዝብል ሕጋዊነት ዘይብሉ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ንክድገም ይሰርሕ ከምዘሎ’ ገሊጹ።
‘ብውህደት ኣሳቢብካ ንህወሓት ንምፍራስ ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብልና፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ተሳቲፍና ንናይ ህወሓት ምውሃድ ክንውስን ኣይንኽእልን’ ይብል ቤት ጽሕፈት ህወሓት።
‘ብመሰረት’ዚ፣ ዕጻ ህወሓት ዝውሰን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘለው ብዘካይድዎ ምይይጥ፣ ብጉባኤ ህወሓት ስለዝኾነ፣ ህወሓት ኣብ’ቲ ኢህወዴግ ንሓሙስ ዝጸወዖ ኣኼባ ኣይትሳተፍን ኢሉ’ ኣሎ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ናብ ኢህወዴግ ኣብ ዝላኣኾ ደብዳቤ።