ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ንወልቀሰባት ንምሓዝ ዝካየድ ዳህሳስ እምበር ኵናት ይኹን ውግእ የለን' ሓደ ላዕለዋይ መኮነን ሰራዊት ኢትዮጵያ


ኣብ ትግራይ ዝተሓብኡ ውልቀሰባት ንምሓዝ ካብ ዝግበር ዳህሳስ ወፃኢ ኵናት የለን ክብሉ ናይ ምክልኻል ኢንዶክትርነሽን ዋና ዳይረክተር ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትርነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባርን ናይ ህልውናን ወፍሪ እዩ ኣካይዱ ምስ በሉ እቲ ወፍሪ ነቲ ከሓዲ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓይሊ ጥራሕ ማእኸል ገይሩ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እዩ ተሰሪሑ ኢሎም።

‘’ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት፣ትካላት ልምዓትን መሰረተ ልምዓትን ብዘይትንክፍ ብጥንቃቐ ክካየድ ተገይሩ እቲ ዝፍክር ዝነበረ ሓይሊ ህዝቢ ይጥቀመሉ ንዝነበሩ ትካላት ኣዕኒዩ፣ዘሪፉ ናብ ጫካ ተበታቲኑ ኣትዩ’’ ኢሎም።

‘’መቐለ ምስተኣተወ ኵናት ዝብሃል ነገር የለን።ውግእ ዝብሃል ነገር የለን’’ ኢሎም።

ኣብ ዝካየድ ናይ ምህዳን ስራሕ ዝርኣዩ ኣናእሽቱ ግጭታት እዩ ዘሎ ኢሎም።

ህወሓት ካብ መቐለ ክወፅእ ከሎ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝኾኑ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሕ እቲ ህዝቢ በዚኦም ክዝረፍ፣ስብእንኡ ክጉዳእን ግፍዒ ክፍፀም ዝገበረን ንሱ እዩ ኢሎም እቶም ጀነራል።

‘’ቅድሚ እቲ ኵናትን ድሕሪ እቲ ኵናትን ናብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ከይደ ሪአዮ እየ’’ ዝብሉ ጀነራል መሓመድ ህወሓት ንቶም ናይ ናውቲ መሰረተ ልምዓታት ስለዘዕነው ኣግልግሎታት ምቁራፅ ኣጋጢሞም ኢሎም።

‘’ኣብያተ ፅሕፈት ወሪሮም፣ናይ ጥዕና ትካላትን ሆስፒታላን መድሓኒት ወሪሮም ናብ ጫካ ወሲዶምዎ እዮም’’ ይብሉ።እቲ ህዝቢ እውን ረድኤት ከይረክብ ብዝነበሮም ኣወዳድባ ምጥርጣራት ክፍጠሩ ከምዝገበረን ኩሎም ተደማሚሮም ናይ ረድኤት ስራሕቲ ከምቲ ዝግባእ ከምይኸውን ኮይኑ እዩ ምስ በሉ ናይቲ ክልል ግዚያዊ ኣመሓደርቲ እውን ዝተሰርሐ ነገር ብዘይምግላፆም ነገበራ የተሓላልኹ ኣለው ክብሉ ወቒሶም።

ዝተሰርሐ ስራሕ ንምግላፅ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ብግዚያዊ እቲ ሕብረተሰብ ከመሓድሩኒ ኢሉ ዝመረፆም ሰባት ኣለው።ተዘሪፉ ተዓፂዩ ዝነበረ ጥዕና ጣቢያ እናሰርሐን እናሓከመን ከሎ ጋዜጠኛታት ከይዶም ክሓቱዎም ከለው ነዚ ንምግላፅ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።ዝተውሃቦም፣ ዝተሓገዙዎ ረድኤታት ይርኽቡ ከምዘለው ኣብኡ ከይደ ብጭቡጥ ኣረጋጊፀ እየ።

ካብ ማእኸል ሃገር ዝሰርሑ ሚዲያታት እንተምፃእና እውን ኣይተሓባበሩዎም ዘለው ኢሎም።

እቶም ጀነራል ባዕሉ ዘሪፉ ነቲ ሕብረተሰብ እውን ምዝራፍ ኣምሂሩዎ እዩ ኢሎም።ዝተፈላየዩ መግሃስታት ብምፍፃም ብዛዕባ ዝኽሰስ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓተቱ ጀነራል መሓመድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓቂ ተመስሪቱ እንተድኣ ኣቕሪቡ ብኣግባቡ መልሲ ክወሃበሉ እዩኢሎም።

‘’ንሕና ከም ትካል እንፈልጦ እቲ ጁንታ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ኣብ ልዕሌና እዩ፤ናይቲ ጁንታ ዓንዲ ሒቐ ዝሰበርናዮ እውን ንሕና ኢና።ሕዚ እውን ኣብ ዝኣተዎ ኣትዩ ሃዲኑ ንውልቀሰባት ናብ ሕጊ ዘቕርብ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢፌድሪ እዩ’’ ኢሎም።

ስለዚ ዝተለመደ እዩ ዝበሉዎም ሓሶት እዩ፤ ‘ፅንፈኛ’ኢሎም ዝፀውዕዎ ጉጅለ ብዘውረዶ ጉድኣት እንተዝኸውን ነይሩ ትግራይ ሎሚ ዘለዋ ቁመና ክህልዋ ኣይምኽኣለን ነይሩ ኢሎም ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።




XS
SM
MD
LG