ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ንውሳነ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ


ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንውሳነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበሎ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ምምሕዳር ይሳተፉ ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣፍልጦ ብምንፃግ ህልውና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ብሓፈሻ ድማ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዝፈታተን ውሳነ እዩ ብምባል ተቓውምኡ ኣስሚዑ'ሎ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ክስረዝ ዘሕለፎ ውሳነ ንክለዓል እቲ ውድብ ዘቕረቦ ሕቶ እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝነፀጎ ይዝከር::

ህወሓት ኣብ መግለፂኡ እዚ ውሳነ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ሕግን ዘይተደረኸ እዩ ብምባል ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ስምምዕ ፕሪቶሪያ: ሰብኣዊ መሰል: ዴሞክራሲ: ተሓታትነትን ናብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምምላስ እዩ ቀንዲ ማእኸሉ ዝበለ ህወሓት: እዚ ስምምዕ ክትግበር መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን በበይኖምን ብሓባርን ግብኦም ኣብ ምፍፃም ይርከቡ ኢሉ።

እንተኾነ ግን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ንክለዓል ዝቐረበሉ ሕቶ ዝነፀጎ ካብቲ ውዕል ሰላም ወጻኢ ብዝኾነ ኣካይዳ እዩ ዝበለ ህወሓት: "ውሳነ እቲ ቦርድ ስምምዕ ሰላም ዘይቕበል: እንዳሓየለ ዝመፀ ትግበራ ስምምዕ ሰላም በዓል ዋና ዘይብሉ ዝገብር: ካብ ኲናት ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንዝኣትዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ውድባት ዘፍርስን ዘላቒ ሰላም ዘየምፅእ ውሳነ እዩ" ኢሉ።

ህወሓት ነቲ ውሳነ ከምዘይቕበሎ ብምግላፅ ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዝትየሉ ብምሕባር: እቲ ቦርድ ንውሳንኡ ዳግም ክምርምር ፀዊዑ።ኣብቲ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ንክሕግዙ ድማ እቲ ውድብ ኣብ መግለፂኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብግዲኡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ይረኣይ ዘሎ ተስፋ ሰላም ኣብ ክንዲ ምድጋፍ በዓል ዋና እቲ ሰላም ዝኾነ ህወሓት ህልውንኡ ንምጥፋእ ዘሕለፎ ውሳነ እዩ ዝበለ ኮይኑ: እዚ ውሳነ ብሕጊ ይኹን ብፖለቲካ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ::

መግለፂ እቲ ምምሕዳር ከምዝሕብሮ ውሳነ እቲ ቦርድ ንህወሓት ወኪሎም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይሳተፉ ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣፍልጦ ብምንፃግ ህልውና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ብሓፈሻ ነቲ ስምምዕነት ሰላም ድማ ዝፈታተን ውሳነ እዩ ብምባል ተቓዊሙ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ተስፋ ወሃቢ መንገዲ ሰላም ንምድጋፍ ሕጊ ብኣወንታዊ ናይ ትርጉም ስርዓት ኣብ ክንዲ ምጥቃም: ቴክኒካዊ ብዝኾነ ኣረዳድኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ከትዓናቕፍ ኣይግባእን ዝበለ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ቦርድ ንውሳንኡ ዳግም ክምርምር ፀዊዑ::

XS
SM
MD
LG