ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ህወሓት ንውሳነ ምውጻእ ህወሓት ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረሽበራ


ግብረመልሲ ህወሓት ንውሳነ ምውጻእ ህወሓት ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረሽበራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:19 0:00

ግብረመልሲ ህወሓት ንውሳነ ምውጻእ ህወሓት ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረሽበራ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረሽበራ ንክወጽእ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ወሲኖም።

ኣብ’ቲ ቤት ምኽሪ መደረ ዘስምዑ ተወካሊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋዬ በልጅጌ "ህወሓት ካብ’ቲ ዝርዝር ንክወጽእ ካብ መንጎ ዝደረኹ ምኽንያታት ሓደ፣ ግጭታት፣ ካልእ ግጭት ከይወልዱን ካብ ቀለበት ውግእ ንምውጻእ፣ ናይ ጽልኣትን ክፍኣትን ዘርኢ ንምውጋድ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ጸገማት ንምቕራፍ ሓጋዚ ስለዝኾነ እዩ" ኢሎም።

ሓላፊ ውዳበ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣቶ ተወልደ ገ/ጻድቕ እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ"‘ቀደሙ’ውን እንተኾነ ህወሓት ጉጅለ ግብረ ሽበራ ክባሃል ዘይነበሮ እዩ" ኢሎም ።

ኣቶ ተወልደ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ህወሓት ምስ ካልኦት ኣሓት ውድባት ኮይኑ ዕብየት ኢትዮጵያ ዘረጋገጸ ውድብ እዩ" ኢሎም።

ኣቶ ተወልደ ወሲኾም ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዘሕለፎ ውሳነ "ብመንነቶምን ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦምን ዝተኣሰሩ ክፍትሑ፣ ናይ ክልከላ ሕጊታት ክእረሙ፣ ንብረቶምን ገንዘቦምን ዝተኣገዶም ነጻ ንክወጹ ሓጋዚ እዩ" ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG