ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ንውሳነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ዘይብሉ ውሳነ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

እቶም ኣቦ መንበር ሎሚ ሰኑይ 22 ግንቦት 2023 ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ህወሓት ዳግም ንከይምዝገብ ምውሳን ማለት፡ "ወዲ 50 ዓመት ከም ብሓዱሽ ሐዚ ጀምር ከምምባል እዩ" ድሕሪ ብምባል ነቲ ውሳነ ከምዘይቕበልዎ ሓቢሮም።

"ነዊሕ ዕደመ ዘለዎ ውድብ ብናይ ባዕሉ ፀገም እተዘይፈሪሱ ክቕፅል እዩ ዝግበር" ዝበሉ ዶ/ር ደብረጽየን ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ድማ ንፈደራል መንግስቲን ሕብረት ኣፍሪቃን ተቃውምኦም ከምዘፍለጡ ሓቢሮም።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ክስረዝ ዘሕለፎ ውሳነ ንክለዓል እቲ ውድብ ዘቕረቦ ሕቶ እቲ ቦርድ ቅድሚ 10 መዓልታት ምንጻጉ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መግለፂኦም ውድቦም ኩለመዳያዊ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ብምግላጽ ፕሮግራም፡ ሕገ ደምቢ፡ ፖሊሲን ስትራቴጂን እቲ ውድብ ክመዓራረይ እዩ ኢሎም።

ህወሓት ጉባኤ ብምፅዋዕ ኩለመዳያዊ ለውጢ ኣብቲ ውድብ ንምምፃእ ለውጢ ኣመራርሓ ከምዝገብር ንመግለፂ እቶም ኣቦመንበር ህወሓት ዝተኸታተለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ፀብፂቡ።

XS
SM
MD
LG