ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬርያ ኢብራሂም፡ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ፡ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ካልኦትን ተፈቲሖም


ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም
ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ላዕለዎት ኣመራረሓ ህወሓት ሎሚ ተፈቲሖም። ካብ ጠበቓተቶም ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ እቶም ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ሰዓት ክስታቶም ተቛሪፁ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ሲቪልን ወታሃደራዊን ኣመራረሓ ህወሓት ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ/ር ደብረፅዮንን ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክረአ ዝፀንሑ ምዃኖም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ካብ መንጎ እቶም ሎሚ ተፈቲሖም ምስ ስድረኦም ዝተፀንበሩ ሰበስልጣን ህወሓት ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተን ዶ/ር አዲሰ ኣለም ባሌማን ይርከብዎም ክብሉ ጠበቓ ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG