ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጹዊ ኣኼባ መራሕቲ ህወሓት ናብ ለውጢ ዝኣመተ ሓያል ክትዕ ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ሪፖርታት ገሊጾም


ህወሓት
ህወሓት

ኣብ’ቲ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዕጹው ኣኼባ ዘካይድዎ ዘሎ ገምጋም ድሕሪ ባላሕቲ ምንቕቓፍን ክስተታትን ምትእንጋድ ንምትእትታው ለውጢ ይሰርሕ ከምዘሎን መንነቶም ንጊዚኡ ዘይተፈልጡ ኣባላት እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ከምዝወጹን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ምንጭታትና ካብ መቐለ ከምዝገለጹልና፣ እቲ ናብ ክትዕ ዝቀረበ ሰነድ ገምጋም 2009 ዓም ‘ምብስባስ ናይ’ቲ ውድብ ውሽጠ ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ቃልሲን ዝፈጠሮ ጉድለትን ናይ ኣሰራርሓ ግልጽነትን ክደክም፣ ካብኡ ሓሊፉ ዘይፍትሓዊነትን ጸረ ዴሞክራሲን እናሓየለ ንክመጽእ ከምዘኽአለ’ ዝሓበረ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ‘ብቅዓት መሪሕነት ኣዝዩ ዘንቆልቆለሉ፣ ውሽጠ ዴሞክራሲ’ቲ ውድብ ዝደኸመሉን ትግባረ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርመሽንን ኣዕጋቢ ዘይኮነሉን ኩነታት ተኸሲቱ’ሎ’ ኣብ ዝብል መበገሲ እቶም ተኣከብቲ ናብ ምርድዳእ ዝበጽሕሉን ብኣብዛሓ ድምጺ ዝሳዓረሉን ከምዝኾነ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴን ፈጻሚት ስራሕን ህወሓት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ክዛዘም’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG