ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ብዘይካ ሓደ ወንበር ንኩሉ መናብር ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ስዒራ


ናይ መወዳእታ ውፂኢት መረፃ ትግራይ ሎሚሸት ዕላዊ ኮይኑ።ብመሰረት እቲ ውፅኢት ካብ 190 ወናብር ህወሓት 189 ወናብር ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኮሚሽነር ቦርድ ምርጫ ትግራይ ኣቶ ሙሉወርቅ ኪዳነ ማሪያም ከምዝገለፁዎ ህወሓት ብበዝሒ ድምፂ ኩሉ 152 ወናብር ምስዓሩን ብተመጣጣኒ ድምፂ ድማ ካብ 38 ወናብር 37 ወናብር ከምዝተዓወተ ሓቢሮም።

ሓደ ወንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ \ባይቶና\ ረኺቡ ኣሎ።ንመጀመሪያ ግዜ እዩ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ወንበር ረኺቡ ዘሎ።

ኣብቲ መረፃ ሓሙሽተ ፓርታትን ኣርባዕተ ብውልቅን ተወዳዲሮም 2.7 ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ተመዝጊቦም እዮም።

XS
SM
MD
LG