ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ውሽጢ ህወሓት ንምግምማዕ ጠንቂ ዝኸውን ኣፈላላይ የለን” ብርሃነ ኪ/ማርያም


ተሳተፍቲ’ቲ ጉባኤ
መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ቅንያት ኣብ መንጎ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ምግምማዕ ይረአ’ሎ ዝብል ዒምዒምታ መሰረት ዘይብሉ እዩ ይብሉ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ፡፡ ኣይተ ብርሃነ ኪዳነማርያም ዋሃቢ ቃል እቲ ጉባኤ ውን እዮም “ብዛዕባ እዚ መብርሂ ክንህብ ኢልና ኣይንደክምን” ኢሎም፡፡

ኣይተ መለስ ዜናዊ ብህይወት እንተለዉ ዝተጀመረ ከይዲ ምትኽኻእ ሐዚ’ውን ተጠናኺሩ ንኽቕጽል ነብሲወከፍ ኣመራርሓ ዝኣመነሉን ዝተቐበሎን እዩ ሐዚ’ውን ክቕጽል እዩ ኢሎም ኣይተ ብርሃነ፡፡

ኣባላት ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝተፈጽሙ ስራሕቲ ክግምግም እዩ፤ ንቐጻሊ ዝስርሑ መደባት እውን ተዛትዩ ከጽድቕ እዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

ኣብ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ነባራት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ቦታኦም ንመናእሰይ ከረክቡ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፡፡

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዘሎ “ጉባኤ መለስ ንዕብየትን ዝላን” ዝተሰየመ ጉባኤ ብድምጽን ብዘይድምጽን ዝሳተፉ 1500 ኣባላት እቲ ውድብ ተረኺቦም ኣለዉ፡፡
XS
SM
MD
LG