ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ህወሓት ቀጺሉ ውዒሉ: "ስርሖም ብግቡእ ንዘይፈጸሙ ናብ ተሓታትነት ከብጽሕ’ዩ’ ዝብል ትጽቢት ኣሎ"


TPLF
TPLF

ዝላዓለ ኣካል ህወሓት ዝኾነ ‘ውድባዊ ኮንፈረንስ’ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ።

ምንጭታትና ከምዝገለጹልና ‘እቶም ብቀጥታ ምስ ህዝቢ ዝራኸቡ ኣካላት መሪሕነት ዝሳተፍሉ ዘሎ ውድባዊ ኮንፈረንስ፣ ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ ኣጀንዳታት ኣልዕሊሉ በቢጉጅለ ይካትዑሉን ይገማገሙን ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ ውድባዊ ኮንፈረንስ ‘ካብ ወረዳን ዞባን ጀሚሩ ዝተመደቡ ኣባላት ምሕደራን ኣብ ሓላፍነት ዝተመደቡ ኣባላት መሪሕነትን ጋምጊሙ ስርሖም ብግቡእ ንዘይፈጸሙ ናብ ተሓታትነት ከብጽሕ’ዩ’ ዝብል ትጽቢት እውን ኣሎ።

ኣብ’ቲ ሎሚ ዝቐጸለ ውድባዊ ኮንፈረንስ ይሳተፉ ዘለው ኣብዛሓ ኣባላት ‘ንላዕለዎት መራሕቲን ሰበ ስልጣንን፣ ከምህወሓት ኮይንኩም’ምበር ከም መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ኮይንኩም ንምግምጋም ኣይንመርጽን ከምዝበልዎም’ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ውድባዊ ኮንፈረንስ ህወሓት ንሓደ ሰሙን ክዘልቕ እዩ።

Recommended

XS
SM
MD
LG